4 ንሰረገላታት ፈርዖንን ሰራዊቱን ናብ ባሕሪ ደርበዮም፤ እቶም ሕሩያት ሓለቓታቱ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ሰጠሙ።
ንስኻ ግና፥ ንስኻ ግሩም ኢኻ፤ ንመዓትካ መን ይቃወሞ?
ማርያም ከዓ ኸምዙይ እናበለት ዘመረትሎም፦ “እግዚኣብሄር የመና ልዑል እዩ እሞ ዘምሩሉ፤ ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርበዮም።”
ብኣኺ ንፈረስን ንፈረሰኛን ክሰባብር እየ፤ ብኣኺ ሰረገላን ኣብኣ ዝቕመጥን ከዓ፥ ክሰባብር እየ፤