2 እግዚኣብሄር ሓይለይን ዝማሬይን እዩ፤ ንሱ መድሓኒየይ ኮነለይ፤ ንሱ ኣምላኸይ ስለ ዝኾነ፥ ከኽብሮ እየ፤ ኣምላኽ ኣቦይ እዩ እሞ፥ ልዕል ልዕል ከብሎ እየ።
“ኣነ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርእኻን፥ ብድሕሬኻ ድማ ኣብ ትውልዶም ኪዳነይ ከቕውም እየ። ኣነ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ኣምላኽ ከም ዝኾንኩ፥ እዙይ ናይ ዘለኣለም ኪዳን እዩ።
“ኦ እግዚኣብሄር፥ ንምድሓንካ እፅበ ኣለኹ።”
እግዚኣብሄር ሓላዊየይ እዩ፤ ብእኡውን እእመን ኣለኹ። ዋልታይን ቀርኒ ረድኤተይን፥ መፀግዒየይን መሕብኢየይን እዩ። ኦ መድሓኒየይ! ካብ ተግባር ግፍዒ ተድሕነኒ ኢኻ።
እግዚኣብሄር ህያው እዩ፤ እቲ ሓላዊየይውን ይባረኽ፤ እቲ እምባ ምድሓነይ ዝኾነ ኣምላኽ ልዕል ልዕል ይበል።
ንመድሓኒት ንጉስ ዓባይ ዝገብራ ንሱ እዩ፤ ምሕረቱውን ንዝቐብኦ ዳዊትን ንዘርኡን፥ ንዘለኣለም ይገብር።
ንህዝብኻ እስራኤል ከዓ ንዘለኣለም ህዝብኻ ክኸውን ሓረኻዮ። ንስኻ እግዚኣብሄር ድማ ኣምላኾም ኮንካ።
“ኪድ፤ ንባርያይ ዳዊት ‘እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ’ በሎ። ‘ንስኻ ኣነ ዝነብረላ ቤት ኣይትሰርሐለይን ኢኻ።
ኣነ ኸዓ ንስኻ እትነብረሉ ቤት፥ ንዘለኣለም እትነብረሉ ስፍራ ብርግፅ ሃኒፀልካ ኣለኹ” በለ።
“ብሓቂዶ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ምስ ሰብ ይነብር እዩ? እንሆ ሰማይን ኣብ ልዕሊ ሰማይ ዘለዉ ሰማያትን ክፆሩኻ ኣይኽእሉን እዮም። እዛ ኣነ ዝሰራሕክዋ ቤተ መቕደስ ደኣ ኽንደይ ዘይትንእስ?
ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ፤ ፍርዱ ንዅላ ምድሪ እዩ።
ኦ ኣምላኽ፥ ንልመናይ ሸለል ኣይትበል።
ሓይለይን መዝሙረይን እግዚኣብሄር እዩ፤ ንሱውን መድሓኒየይ ኮነ።
ስለ ዝሰማዕኻንን፥ መድሓኒየይውን ስለ ዝኾንካንን፥ አመስግነካ ኣለኹ።
ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፤ አመስግነካ ኣለኹ፤ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፤ ልዕል ልዕል ከብለካ እየ፤ ሰሚዕኻኒ ኢኻሞ፥ መድሓኒትውን ኴንካኒ ኢኻሞ አመስግነካ ኣለኹ።
ኦ ጐይታይ፥ ሓይሊ ምድሓነይ፥ ብመዓልቲ ውግእ ንርእሰይ ሸፈንካ።
ኦ ኣምላኸይን፥ ንጉሰይን፥ ልዕል ልዕል አብለካ ኣለኹ፤ ስምካውን ንዘለኣለመ ኣለም ክባርኽ እየ።
እግዚኣብሄር ህያው እዩ፤ ኣምላኸይውን ብሩኽ እዩ፤ ኣምላኽ መድሓኒተይውን ልዕል ልዕል ይበል።
ካብ ማህፀን ጀሚሩ ኣባኻ ተደርበኹ፤ ካብ ከብዲ እኖይ ጀሚርካ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ።
ብእስራኤል ዝተመስገንካ ንስኻ ግና፥ ብቕድስና ትነብር።
እግዚኣብሄር ብርሃነይን መድሓኒተይን እዩ፤ ዘፍርሐኒ ደኣ መን እዩ? እግዚኣብሄር ንህይወተይ መተኣማመመኒኣ እዩ፤ ዘደንግፀኒኸ መን እዩ?
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ሓይሎም እዩ፤ ነቲ ዝቐብኦውን ናይ ድሕነቱ መተኣማመኒ እዩ።
ኦ ጐይታ፥ ተቐቢልካኒ ኢኻሞ፥ ንፀላእተይውን ኣየሐጐስካዮምንሞ ልዕል ልዕል ኣብለካ ኣለኹ።
ንእግዚኣብሄር ምሳይ ኴንኩም፥ ልዕል ልዕል ኣብልዎ፤ ንስሙውን ሓቢርና ልዕል ልዕል ነብሎ።
እዝ ኣምላኽ እዙይ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ኣምላኽና እዩ፤ ንሱ ንዘለኣለም ክመርሐና እዩ።
ኦ ኣምላኸይ፥ ንስኻ መፀግዕየይን ምሕረተይን ኢኻሞ፥ ኦ ረዳእየይ፥ ንኣኻ ንኣምላኸይ ክዝምር እየ።
ኣምላኽና ኣምላኽ ምድሓን እዩ፤ ካብ ሞት ምድሓንውን ካብ እግዚኣብሄር እዩ።
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል ልዕል ኣብልዎ፤ ንሱ ቅዱስ እዩ እሞ ኣብ መርገፂ እግሩ ስገዱ።
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል ልዕል ኣብልዎ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ቅዱስ እዩ እሞ፥ ኣብ ቅዱስ እምባኡ ስገዱ።
ሽዑ ሙሴ ነቶም ህዝቢ “ኣይትፍርሑ፤ ፅንዑ፤ ነቲ እግዚኣብሄር ሎሚ ዝገብረልኩም ምድሓን ርአዩ። እዞም ሎሚ እትሪእዎም ግብፃውያን ደጊም ንዘለኣለም ኣይትሪእዎምን ኢኹም።
ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካ፥ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ እየ” በሎ። ሙሴ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ከይሪኦ ስለ ዝፈርሐ፥ ገፁ ኸደነ።
ንንጉስ ፈርዖን ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እስራኤል በዅሪ ወደይ እዩ።
ብድሕሪኡ፥ ነቲ መራኸቢ ድንኳን ደመና ሸፈኖ፤ ነቲ ድንኳን ድማ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር መልኦ።
ህዝበይ ክትኮኑ ኽወስደኩም እየ፤ ኣነ ኸዓ ኣምላኽ ክኾነኩም እየ። ካብ ትሕቲ እቲ ኸቢድ ኣርዑት ግብፃውያን ዘውፃእኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾንኩ ድማ ኽትፈልጡ ኢኹም።
እንሆ ኣምላኸይ መድሓኒየይ እዩ፤ ብእኡ እእመን፥ ኣይፈርሕንውን እየ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ሓይለይን መዝሙረይን እዩሞ፥ ንሱ መድሓኒተይ ኮነ ኽትብል ኢኻ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፤ ልዕል ልዕል ከብለካ ንስምካውን ክውድሶ እየ፤ ነቲ ናይ ጥንቲ ዘደንቕ ምኽሪ፥ ብፍፁም ተኣማንነት ፈፂምካዮ ኢኻሞ።
ንእስራኤል ግና ብዘለኣለማዊ ምድሓን እግዚኣብሄር ከድሕኖ እዩ፤ ንስኻትኩምውን ንዘለኣለም ኣይትሓፍሩን፥ ኣይትዋረዱን ኢኹም።”
ንሱውን “ንነገድ ያእቆብ ንምትሳእ፥ ነቶም ዝድሕኑ እስራኤል ናባይ ንምምላስ፥ ባርያይ ምዃንካ ንኣኻ የመና ዝቐለለ እዩሞ፥ ምድሓነይ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምእንቲ ኽበፅሕ፥ ብርሃን ኣህዛብ ክገብረካ” እየ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰማይ ዙፋነይ እዩ፤ ምድሪ ኸዓ መርገፂ እግረይ እያ። እቲ ንስኻትኩም እትሰርሑለይ ቤት ደኣ፥ ከመይ ዝበለ እዩ? እቲ ኣነ ዝዓርፈሉ ስፍራኸ፥ ከመይ ዝበለ እዩ?
ካብቶም ኰረብታታት ረድኤት ምፅባይ፥ ብሓቂ ኸንቱ እዩ፤ እምባታት፥ ጥቕሚ ዘይብሉ ድምፂ ደኣ ሃቡና፤ ብሓቂ ምድሓን እስራኤል፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ዝርከብ።
ድሕሪ እዘን መዓልቲታት እዚኣተን፥ ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኪዳን እዙይ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር፥ ኣብ ልቦም ከዓ ኽፅሕፎ እየ፤ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ክኾኑ እዮም።
ሽዑ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።
ንምድሓን ህዝብኻን፥ ንምድሓን ቅቡእኻን ወፃእኻ፤ ነቲ መሰረት ክሳዕ ክሳድ ቀሊዕኻ፥ ርእሲ ቤት እቲ ሓጥእ ቀጥቀጥካ።
ኣነ ኸዓ ነቶም ዝተረፉ ሳልሳይ ኣፍ፥ ናብ ሓዊ ኸእትዎም እየ፤ ብሩር ብሓዊ ኸም ዝዅላዕ ክዅልዖም፥ ወርቂ ብሓዊ ኸም ዝፍተን ከዓ ኽፍትኖም እየ። ንሳቶም ስመይ ክፅውዑ እዮም፤ ኣነውን ክሰምዖም እየ። ኣነ እዙይ ህዝበይ እዩ፤ ንሳቶም ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ኽብሉ እዮም።”
ናይ ሓጢኣቶም ሕድገት ዝረኽቡሉ፥ ናይ ድሕነት ፍልጠት፥ ንህዝቡ ኽትህብ ኢኻ።
ኣዒንተይ ነቲ ምድሓንካ ሪአናኦ እየንሞ።
ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ፤ ንሕና ግና ምድሓን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ፥ ንእንፈልጦ ኢና እንሰግድ።
ብእኡ ኽንድሕን ዝግባእ ካልእ ስም፥ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንደቂ ሰብ ኣይተውሃበን እዩሞ፥ ድሕነት ብኻልእ ከቶ የለን።”
እዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ገይሩ፥ ንዓለም ምስ ባዕሉ ኽዓርቕ እንተሎ፥ በደሎም ኣይቈፀረሎምን፤ ኣባናውን ቃል ዕርቂ ኣንበረ።
ንስኻትኩምውን ብመንፈስ ቅዱስ መሕደሪ እግዚኣብሄር ክትኮኑ፥ ሓቢርኩም ብእኡ ትህነፁ ኣለኹም።
እቲ ኣዒንትኹም ዝረአይዎ ነዞም ዓበይትን ዝፍርሑን ነገራትውን ዝገበረልኩም ንሱ ኽብርኹም እዩ። ንሱውን ኣምላኽኩም እዩ።
ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣብ ከዓ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ኸም ዝኾነ፥ ኵሉ ኣንደበት ክምስክር እዩ።
በቲ ሓይሊ ዝህበኒ ክርስቶስ፥ ንዅሉ ኽገብሮ እኽእል እየ።
ናይ መለኮት ፍፁም ምልኣት፥ ብሰብነት ሓዲሩ ዝነብር፥ ብክርስቶስ እዩሞ።
መዝሙር እቲ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ዝኾነ ሙሴን፥ መዝሙር እቲ በጊዕን፥ ከምዙይ እናበሉ ይዝምሩ ነበሩ፦ “ኦ፥ ንዅሉ እትገዝእ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ስራሕኻ ዓቢይን ግሩምን እዩ። ኦ፥ ንጉስ ኣህዛብ፥ መንገድኻ ፅድቅን ሓቅን እዩ።
ድሕሪዙይ፥ ኣብ ሰማይ ከም ናይ ብዙሕ ህዝቢ ዝበለ፥ ብርቱዕ ድምፂ፥ “ሃሌ ሉያ! ምድሓንን ክብርን ሓይልን ናይ ኣምላኽና እዩ።
እቲ ኻብ ጥንቲ ዝተፈለጠ ፈለግ ቂሶን፥ ፀራሪጉ ወሰዶም፤ ኦ ነፍሰይ! ብሓይሊ ንቕድሚት ገስግሲ።