11 ኦ እግዚኣብሄር! ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን ኣሎ? ብቕድስና ኸማኻ ዝኸበረ፥ ብግርማ ኸማኻ ዝተፈርሐ፥ ገባሪ ተኣምራት፥ መን ኣሎ?
“ኦ ኣምላኸይ ከምቲ ዅሉ በእዛንና ዝሰማዕናዮ ኸማኻ ዝበለ የለን፤ ብዘይ ንስኻውን ኣምላኽ የለንሞ፥ ንስኻ ዓብዪ ኢኻ።
ከምዙይውን በለ፦ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ነቶም ብምሉእ ልቦም ብትእዛዝካ ንዝኸዱ ባሮትካ ኺዳንን ምሕረትን እትሕሉ፥ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ፥ ኣብ ምድሪ እውን ኣብ ታሕቲ ንኣኻ ዝመስል ኣምላኽ የለን።
እግዚኣብሄር ዓብዪ፥ ምስጋናኡውን ብዙሕ እዩሞ፥ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ዝፍራሕ እዩ።
ኣምላኽና ድማ ኻብ ኵሎም ኣማልኽቲ ዝዓቢ እዩ እሞ፥ እታ ኣነ ዝሰርሓ ቤትውን ዓባይ እያ።
ከምዙይ ኢሉ ድማ ፀለየ፦ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! ነቶም ብምሉእ ልቦም ብትእዛዝካ ዝነብሩ ባሮትካ ኺዳንን ምሕረትን እትሕሉ፥ ኣብ ሰማይ ኮነ፤ ኣብ ምድሪ ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ የለን።
ነቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ዙፋኑ ዝተቐመጠ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝመስል መን እዩ?
ስጋይ ንኣኻ ኻብ ምፍራሕ ዝተልዓለ ደንገፀ፤ ካብ ፍርድኻ ዝተልዓለ እፈርሕ ኣለኹ።
ንሱ በይኑ ዓበይቲ ተኣምራት ዝገበረ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
እግዚኣብሄር ብዅሉ መንገዱ ፃድቕ እዩ፤ ብዅሉ ስራሑውን ሕያዋይ እዩ።
“ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርሑ ኣመስግንዎ፤ ኣቱም ዘርኢ ያእቆብ ኵልኻትኩም ኣኽብርዎ፤ ኵልኻትኩም ዘርኢ እስራኤልውን፥ ፍርሕዎ።
ኵሎም ኣዕፅምተይ ከምዙይ ይብሉኻ፦ “ኦ ጐይታ፥ ከማኻ ዝበለ መን እዩ? ንስኻ ነቲ ድኻ ኻብ ኢድ ዝኸትሮ፤ ንምስኪንን ንድኻን ድማ ኻብ ኢድ ነጣቒ ተናግፎም።”
ንምድሪ ኣናወፅካያ፤ ሃወኽካያውን፤ ተናዊፃ እያሞ ቝስላ ፈውስ።
ንዑ ስራሕ እግዚኣብሄር ረአዩ፤ ካብ ደቂ ሰብ ብምኽሩ የመና ግሩም እዩ።
ግብሪ እግዚኣብሄር ዘከርኩ፤ ነቲ ጥንቲ ዝገበርካዮ ተኣምራትካውን እዝክር እየሞ።
ተኣምራት እትገብር ኣምላኽ፥ ንስኻ ኢኻ፤ ንህዝብኻ ሓይልኻ ኣርአኻዮም።
መንገድኻ ኣብ ባሕሪ፥ ኣሰርካውን ኣብ ብዙሕ ማያት እዩ፤ ኣካይዳኻውን ኣይፍለጥን።
ኦ ጐይታ፥ ተኣምራት እትገብር ንስኻ ዓብዪ ኢኻ እሞ፥ ንስኻ በይንኻ ዓብዪ ኣምላኽ ኢኻሞ።
ኦ ጐይታ፥ ካብ ኣማልኽቲ ንኣኻ ዝመስል የለን፤ ከም ስራሕኻውን ዝበለ የለን።
ረድኤትና ኻብ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ንጉስናውን ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።
ፅንዓት ቍጥዓኻ መን ይፈልጥ? ካብ ግርማ ቝጥዓኻ ዝተልዓለ ሃለቑ።
ግብፃውያን ነቲ ኣብ ልዕሌኹም ዝፈፀምዎ ግፍዒ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም መሊሱሎም እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ኸም ዝዓቢ ሕዚ ፈለጥኩ” በለ።
“ብዘይ ዘኣይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ።
ስለዙይ ኢደይ ክዝርግሕ እየ፤ በቲ ኣብ ማእኸላ ዝገብሮ ተኣምራት ንግብፂ ኽወቕዓ እየ፤ ብድሕሪኡ ኽሰደኩም እዩ።
ፈርዖን ከዓ “ንፅባሕ” በሎ። ሙሴ ድማ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝመስሎ ኸቶ ኸም ዘየለ ምእንቲ ኽትፈልጥስ፥ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹን።
ኣሮን ከዓ ናብ ልዕሊ ማያት ግብፂ ኢዱ ዘርግሐ፤ እተን ጭንቍራዓት ድማ ወፂአን ንምድሪ ግብፂ ኸደናኦ።
እንተ ዘይኮነ፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ኸማይ ዝበለ ኸም ዘየለ ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ በዛ ጊዜ እዚኣ ዅሉ ቝጥዓይ ኣብ ልዕሌኻን ኣብ ልዕሊ መኳንንትኻን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻን ክሰድድ እየ።
ካብ ጐደና ኣግልሱ፤ ካብ መንገዲውን ረሓቑ፤ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ካብ ቅድሜና ኣርሕቑ” ይብሉ።
ንእግዚኣብሄር ብመን ክትምስልዎ ኢኹም? ምስ መንከ ኽተመዓራርይዎ ኢኹም?”
ምስ መን ደኣ ኽተመዓራርዩኒ ኢኹም? ምስ መንከ ኽተመሳስሉኒ ኢኹም? ይብል እቲ ቕዱስ።
ነቲ ናይ ጥንቲ፥ ናይ ቀደም ዘክሩ፤ ኣነ ኣምላኽ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ ከቶ የለን፤ ኣነ ኣምላኽ እየ፤ ዝመስለኒውን የለን።
“እቲ ልዕል ልዕል ዝበለ፥ ስሙውን ቅዱስ ዝኾነ፥ ንዘለኣለም ዝነብር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ነቶም ዝተዋረደ መንፈስ ዘለዎም ህያው ክገብር፥ ዝተሰበረ ልቢ ንዘለዎምውን ህያው ክገብር፥ ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ፥ ምስቶም ዝተዋረደ መንፈስን፥ ዝተሰበረ ልቢ ዘለዎምን እነብር።
ሓደ ንሓደ ኸዓ ብዓብዪ ድምፂ፥ “ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኵላ ምድሪ ኸዓ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ” ይብሉ ነበሩ።
እቲ ግደ ያእቆብ ግና ኸምዚኣቶም ኣይኮነን፤ ንሱ ንዅሉ ዝፈጠረ እዩሞ፤ እስራኤል ድማ ነገድ ርስቱ እዩሞ፤ ስሙውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
እንሆ፥ ካብኣ ብህፁፅ ከባርሮም እየሞ፥ ኣብ ልዕሊ ፅኑዕ እምባ፥ ኣብ ውሽጢ ትዕቢት ዮርዳኖስ፥ ከም ኣንበሳ ኽድይብ እዩ። ነቲ ዝተሓርየ ኣብ ልዕሊኣ ኽሸሞ እየ። ምሳይ ክመዓራረ ዝኽእል መን እዩ? ጊዜ ዝውስነለይከ መን እዩ? ኣብ ቅድመይ ዝቐውም ጓሳኸ መን እዩ?
ንዅሎም ማሕበር ደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ፥ ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ኩኑ።
ሓጢኣት ዝሓድግ፥ በደል እቶም ዝተረፉ ርስቱ ዝኾኑ ህዝቢ ዘሕልፍ፥ ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ መን እዩ? ምሕረት ይፈቱ እዩሞ፥ ቍጥዓኡውን ንዘለኣለም ኣይዓቍርን።
ኣነ ግና፥ ንመን ከም እትፈርሑ ኸርእየኩም እየ፤ ነቲ ምስ ቀተለ፥ ናብ ገሃነም ክድርቢ ስልጣን ዘለዎ፥ ንእኡ ፍርሑ። እወ፥ ንእኡ ፍርሕዎ እብለኩም ኣለኹ።
እቲ ቐቅድሜኹም ዝኸይድ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ዅሉ ኣብ ግብፂ ኽገብረልኩም ዝረአኹምዎ፥ ክንዳኻትኩም ክዋግአልኩም እዩ።
‘ኦ እግዚኣብሄር፥ ንባርያኻ ዕቤትካን ሓይልኻን ኽተርእየኒ ጀመርካ። ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ኸም ግብርኻን ከም ሓይልኻን ክገብር ዝኽእል ካልእ ኣምላኽ የለንሞ።
ኣታ ይሹሩን፥ ነቲ ረድኤትካ፥ ብልዕልናኡ ኣብ ደመናታትን፥ ኣብ ሰማያትን ንዝነብር ኣምላኽ፥ ዝመስሎ የለን።
ወይ ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንታኻትኩም ኣብ ግብፂ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ዝገበሮ፥ መፂኡ ብፈተናን ብምልክትን ብተኣምራትን ብውግእን ብሓያል ኢድን ብብርቱዕ ቕልፅምን ብዓብዪ ግርማን፥ ካብ ማእኸል ካልእ ህዝቢ ንባዕሉ ኽገብሮ ኢሉ ዝወሰዶ፥ ከምቲ ዝገበሮ ኽገብር ዝፈተነ ኻልእ ኣምላኽዶ ኣሎ?
ንሳቶም ከዓ፥ ነቲ ኣራዊት ስልጣን ስለ ዝሃቦ፥ ነቲ ገበል ሰገዱሉ። ነቲ ኣራዊትውን፥ “ነዝ ኣራዊት እዙይ፥ መን ይመስሎ? መንከ ኽዋግኦ ይኽእል?” እናበሉ ሰገዱሉ።
ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቕዱስ እሞ፥ ኦ፥ እግዚኣብሄር፥ ዘይፈርሐካን፥ ንስምካ ዘየኽብርን፥ መን ኣሎ? እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ፥ ተግሂዱ እዩ እሞ፥ ኵሎም ኣህዛብ ክመፁ፥ ኣብ ቅድሜኻውን ክሰግዱ እዮም።”
እቶም ኣርባዕተ እንስሳ፥ ነፍሲ ወከፎም፥ ሸሽዱሽተ ኣኽናፍ ኣለዎም። ብዙርያኣቶምን ብውሽጣቶምን፥ ኣዒንቲ ዝመልኦም እዮም፤ ለይትን መዓልትን ድማ “ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ዝነበረን ዘሎን ዝመፅእን” ካብ ምባል፥ ኣየቋርፁን ነበሩ።
ከም እግዚኣብሄር ቅዱስ የለን፤ ብዘይ ዘኣኻ ኻልእ የለንሞ፤ ከም ኣምላኽና ዝበለ ኰዅሒ ኸዓ የለን።