1 ሽዑ ሙሴን ደቂ እስራኤልን ንእግዚኣብሄር እዝ መዝሙር እዙይ ዘመሩሉ፦ “እግዚኣብሄር ልዕል ልዕል ስለ ዝበለ ኽዝምረሉ እየ፤ ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርበዮም።
ነቲ ባሕሪ ኣብ ቅድሚኣቶም ንኽልተ ሰንጠቕካዮ፤ ንቑፅ እናረገፁ ኸዓ ብእኡ ሓለፉ። ነቶም ዝስዕብዎም ግና ኣብ ማዕበል ማያት ደርበኻዮም፤ ከም እምኒ ድማ ኣብ መዓሙቕ ሰጠሙ።
ነቲ ሰባት ዝወደስዎ ስራሑ፥ ንኽተኽብርውን ሕሰብ።
ንህዝቡ ብሓጐስ፥ ነቶም ዝተመረፁ ኸዓ ብዕልልታ ኣውፅኦም።
ሽዑ ብቓሉ ኣመኑ፤ ምስጋናኡውን ዘመሩሉ።
ስለ ምሕረቱን፥ ስለ እቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን፥ ንእግዚኣብሄር የመስግንዎ።
ስለ እቲ ምሕረቱን፥ ስለ እቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።
ንስኻ መሕብእየይ ኢኻ፤ ካብ መከራ ትሕልወኒ፤ ካብ ዝኸበቡኒ ኽተድሕነኒ ሓጐሰይ ኢኻ።
ኦ ኣምላኽ ያእቆብ፥ ካብ ተግሳፅካ ዝተልዓለ፥ ኵሎም ፈረሰኛታት ደቀሱ።
ንስኻ ግና፥ ንስኻ ግሩም ኢኻ፤ ንመዓትካ መን ይቃወሞ?
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “እቲ ማይ ናብ ልዕሊ ግብፃውያንን፥ ናብ ልዕሊ ሰረገላታቶምን ፈረሰኛታቶምን ምእንቲ ኽምለስ፥ ኢድካ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሕ” በሎ።
ሙሴ ኸዓ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሐ፤ እቲ ባሕሪ ድማ ኣጋ ወጋሕታ ምስ ኮነ ናብ ናይ ቀደም ሰፈሩ ተመለሰ፤ ግብፃውያን ከዓ ኻብኡ ኽሃድሙ ፈተኑ። እግዚኣብሄር ግና ንግብፃውያን ናብቲ ማእኸል ባሕሪ ደርበዮም።
ማርያም ከዓ ኸምዙይ እናበለት ዘመረትሎም፦ “እግዚኣብሄር የመና ልዑል እዩ እሞ ዘምሩሉ፤ ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርበዮም።”
ግብፃውያን ነቲ ኣብ ልዕሌኹም ዝፈፀምዎ ግፍዒ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም መሊሱሎም እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ኸም ዝዓቢ ሕዚ ፈለጥኩ” በለ።
ኣብ ገበን ክፉእ ሰብ መፃወዲያ ኣሎ፤ ፃድቕ ግና ዕልል ይብል፤ ይሕጐስውን።
ኣቱም ናብ ባሕሪ እትወርዱን፥ ኣብ ውሽጣ ዘለኹም ኵልኻትኩምን፥ ኣትን ደሴታትን ኣብኣተን እትነብሩን፥ ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር፥ ምስጋናኡውን ካብ ወሰን ምድሪ ዘምሩ።
ብኣኺ ንፈረስን ንፈረሰኛን ክሰባብር እየ፤ ብኣኺ ሰረገላን ኣብኣ ዝቕመጥን ከዓ፥ ክሰባብር እየ፤
ኣነ ድማ ስም በዓሊም ካብ ኣፋ ኸወግድ እየ፤ ድሕሪዙይ ከዓ ብስሞም ኣይዝከሩን እዮም።
ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ክሕጐስ እየ፤ ብኣምላኽ ምድሓነይ ሓሴት ክገብር እየ።
ሽዑ ደቂ እስራኤል ከምዙይ እናበሉ መዝሙር ዘመሩ፦ “ኣታ ዒላ፥ ማይካ ፈልፍል፤ ንስኻትኩም ከዓ ዘምሩሉ።
ነቶም ኣሕሉቕን ስልጣናትን፥ ኣፅዋሮም ገፊፉ ምስ ሰዓሮም፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ብግልፂ፥ ብእኡ ኣሕፈሮም።
መዝሙር እቲ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ዝኾነ ሙሴን፥ መዝሙር እቲ በጊዕን፥ ከምዙይ እናበሉ ይዝምሩ ነበሩ፦ “ኦ፥ ንዅሉ እትገዝእ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ስራሕኻ ዓቢይን ግሩምን እዩ። ኦ፥ ንጉስ ኣህዛብ፥ መንገድኻ ፅድቅን ሓቅን እዩ።