9 ግብፃውያን ድማ፥ ኵሎም ኣፍራስ ፈርዖንን ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ኵሎም ሰራዊቱን ደድሕሪኣቶም ገስጊሶም፥ ደቂ እስራኤል ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኣብ ፒሃሒሮት ኣብ መንፅር በዓልፀፎን ሰፊሮም እንተለዉ ኣርከብዎም።
እግዚኣብሄር ግና ነቶም ህዝቢ ብመንገዲ ምድረ በዳ ኣቢሉ ንባሕሪ ኤርትራ ኣዞሮም። ደቂ እስራኤል ድማ ንውግእ ከም ዝተዳለዉ ኾይኖም፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ተሰሊፎም ወፁ።
“ንደቂ እስራኤል፥ ተመሊሶም ኣብ መንፅር ፒሃሒሮት፥ ኣብ መንጎ ሚግዶልን ባሕርን ክሰፍሩ ንገሮም። ኣብ መንፅር በዓልፀፎን፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ስፈሩ።
ፀላኢ፥ ኣሳጒጐ ኽሕዞም እየ፤ ምርኮውን ክካፈል እየ፤ ነፍሰይውን ክትፀግቦም እያ፤ ሰይፈይ ክመዝዝ እየ፤ ኢደይውን ክተጥፍኦም እያ፤ በለ።
ካብ ኤታም ተልዒሎም፥ ኣብ ምብራቕ በኣልዛፎን ናብ ዘላ ፊሃሒሮት ተመሊሶም፥ ኣብ ጥቓ ሚግዶል ሰፈሩ።
ነቦታትኩም ካብ ግብፂ ምስ ኣውፃእኽዎም፥ ግብፃውያን ብሰረገላታትን በፍራስን ክሳዕ ባሕሪ ኤርትራ ሰዓብዎም። ናብ ባሕሪ ኤርትራ ምስ በፅሑ፥