Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 14:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 እግዚኣብሄር ድማ ንልቢ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ኣትረሮ፤ ንሱ ኸዓ ደድሕሪ እቶም ብፅንዕቲ ኢድ ዝወፁ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ገስገሰ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 14:8
21 Referencias Cruzadas  

ንህዝቡ ብሓጐስ፥ ነቶም ዝተመረፁ ኸዓ ብዕልልታ ኣውፅኦም።


ምሕረትካ ኣባይ ዓብያ እያሞ፤ ንነፍሰይ ከዓ ኻብ መዓሙቕ ሲኦል ኣድሓንካያ።


እግዚኣብሄር ግና ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ንሱ ኸዓ ኽሰዶም ኣይፈተወን።


እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ፥ ብሓያል ቅልፅሙ ኣውፂኡና እዩ እሞ፥ እዙይ ድማ ኣብ ኢድካ ኸም ዝተንጠልጠለ፥ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ኸዓ ኸም መዘከርታ ይኹንካ” በሎ።


እግዚኣብሄር ግና ነቶም ህዝቢ ብመንገዲ ምድረ በዳ ኣቢሉ ንባሕሪ ኤርትራ ኣዞሮም። ደቂ እስራኤል ድማ ንውግእ ከም ዝተዳለዉ ኾይኖም፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ተሰሊፎም ወፁ።


እግዚኣብሄር ብሓያል ኢዱ ኻብ ግብፂ ኣውፂኡካ እዩ እሞ፥ ሕጊ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኣብ ኣፍካ ክኸውን፥ ኣብ ኢድካ ንምልክት፥ ኣብ ኣዒንትኻ ድማ ንመዘከርታ ይኹነልካ።


ኣነ ድማ እንሆ ንልቢ ግብፃውያን ከትርር እየ። ንሳቶምውን ደድሕሬኹም ክስዕቡ እዮም። ኣነ ኸዓ ንፈርዖንን ንዅሎም ሰራዊቱን ንሰረገላታቱን ንፈረሰኛታቱን ብምስዓር ክኸብር እየ።


ኣነ ድማ ንልቢ ፈርዖን ከትርሮ እየ፤ ንሱ ኸዓ ደድሕሬኹም ስዒቡ ኸሳጕጐኩም እዩ። ሽዑ ኣነ ንፈርዖንን ንዅሉ ሰራዊቱን ብምስዓር ክኸብር እየ። ግብፃውያን ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም” በሎ። ደቂ እስራኤል ከዓ ኸምኡ ገበሩ።


ኣብ ኵለን ሰረገላታት ግብፂ፥ ኣብተን ሽዱሽተ ሚእቲ ምሩፃት ሰረገላታትውን እንተይተረፈ፥ ሓያላት ተዋጋእቲ ሒዙ ተልዓለ።


ፀላኢ፥ ኣሳጒጐ ኽሕዞም እየ፤ ምርኮውን ክካፈል እየ፤ ነፍሰይውን ክትፀግቦም እያ፤ ሰይፈይ ክመዝዝ እየ፤ ኢደይውን ክተጥፍኦም እያ፤ በለ።


እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ናብ ግብፂ ምስ ተመለስካ፥ ነተን ክትገብረን ኢለ ዝሃብኩኻ ዅለን ተኣምራት፥ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ፥ ክትገብረን ከም ዘለካ ፍለጥ። ኣነ ግና ንልቢ እቲ ንጉስ ከትርሮ እየ፤ ንሱ ኸዓ ነቲ ህዝቢ ኣይሰዶን እዩ።


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣብ ልዕሊ ፈርዖን ዝገብሮ፥ ሕዚ ኽትርኢ ኢኻ። ብሓያል ኢድ ክሰዶም እዩ። እወ፥ ብሓያል ኢድ ካብ ምድሩ ኣውፂኡ ኽሰጎም እዩ” በሎ።


እግዚኣብሄር ድማ ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝበሎ ድማ ኣይሰምዖምን።


ንልቦም ኣደንዝዞ፤ መርገምካውን ኣውርደሎም።


ምእንቲ ባሮቶም ከይትኾኑ ኻብ ግብፂ ዘውፃእኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፤ ኣርዑት ባርነትኩም ድማ ሰበርኩ፤ ርእስኹም ኣቕኒዕኹም ከም እትኸዱ እውን ገበርኩኹም።


ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኻብ ከተማ ራምሴ ተልዓሉ። ደቂ እስራኤል፥ ኵሎም ግብፃውያን እናረአይዎም፥ ብትብዓት ፅባሕ ፋሲካ ወፁ።


ኣምላኽ ህዝቢ እስራኤል፥ ነቦታትና ሓረዮም፤ ኣብ ምድሪ ግብፂ ተሰዲዶም ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ፥ ነቲ ህዝቢ ልዕል ልዕል ኣበሎ፤ በቲ ዓብዪ ሓይሉ ድማ፥ ካብኣ ኣውፅኦም።


እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድን ብብርቱዕ ቅልፅምን ብዘደንቕ ዓብዪ ነገርን ብምልክትን ብተኣምራትን ካብ ግብፂ ኣውፅአና።


ግና ፀላእቱ ምእንቲ ከይዕበዩ፦ ነዝ ዅሉ እታ ብርትዕቲ ኢድና ደኣ እምበር፥ እግዚኣብሄር ኣይኮነን ዝገበሮ፥ ከይብሉ፥ ቍጥዓ ፀላእቱ ፈራሕኹ።”


ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ምእንቲ ፈፂሙ ኸጥፍኦም እምበር ምሕረት ምእንቲ ኸይረኽቡ፥ ምስ ደቂ እስራኤል ክዋግኡ እግዚኣብሄር ልቦም ኣትረረ።


ኣነ ኸዓ ንሲሳራ ሓለቓ ሰራዊት ኢያቢስ ምስ ሰረገላታቱን ምስ ሰራዊቱን ናባኻ ናብ ሩባ ቂሶን ስሒበ ኸምፅኦ እየ፤ ናብ ኢድካ ድማ ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ ኢሉዶ ኣይኣዘዘካን?’ ” በለቶ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos