6 ስለዙይ ከዓ ፈርዖን ሰረገላኡ ኣዳለወ፤ ሰራዊቱውን ኣዕጠቐ።
ደቂ እስራኤል ከም ዝሃደሙ ድማ ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ ነገርዎ። ንጉስን መኳንንቱን ከዓ ብዛዕባኣቶም ሓሳቦም ለወጡ፤ “እንታይ ኢና ዝገበርና? ደቂ እስራኤል ከይግዝኡናስ ስለ ምንታይ ኢና ክኸዱ ዝሓደግናዮም?” ድማ በሉ።
ኣብ ኵለን ሰረገላታት ግብፂ፥ ኣብተን ሽዱሽተ ሚእቲ ምሩፃት ሰረገላታትውን እንተይተረፈ፥ ሓያላት ተዋጋእቲ ሒዙ ተልዓለ።
ንሰረገላታት ፈርዖንን ሰራዊቱን ናብ ባሕሪ ደርበዮም፤ እቶም ሕሩያት ሓለቓታቱ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ሰጠሙ።