Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 14:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 ደቂ እስራኤል ከም ዝሃደሙ ድማ ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ ነገርዎ። ንጉስን መኳንንቱን ከዓ ብዛዕባኣቶም ሓሳቦም ለወጡ፤ “እንታይ ኢና ዝገበርና? ደቂ እስራኤል ከይግዝኡናስ ስለ ምንታይ ኢና ክኸዱ ዝሓደግናዮም?” ድማ በሉ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 14:5
9 Referencias Cruzadas  

ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸዓ፥ ያእቆብ ከም ዝሃደመ ንላባ ነገርዎ።


ንህዝቡ ኽፀልእዎም፥ ንባሮቱ ኽተናዀልዎም ልቦም ለወጠ።


እቶም ግብፃውያን ድማ “ኵልና ኽንመውት ኢና” ኢሎም ስለ ዝፈርሑ ነቶም እስራኤላውያን “ካብዛ ምድሪ ቐልጢፍኩም ውፁ” ኢሎም ሃወኽዎም።


ኣነ ድማ ንልቢ ፈርዖን ከትርሮ እየ፤ ንሱ ኸዓ ደድሕሬኹም ስዒቡ ኸሳጕጐኩም እዩ። ሽዑ ኣነ ንፈርዖንን ንዅሉ ሰራዊቱን ብምስዓር ክኸብር እየ። ግብፃውያን ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም” በሎ። ደቂ እስራኤል ከዓ ኸምኡ ገበሩ።


ስለዙይ ከዓ ፈርዖን ሰረገላኡ ኣዳለወ፤ ሰራዊቱውን ኣዕጠቐ።


ፀላኢ፥ ኣሳጒጐ ኽሕዞም እየ፤ ምርኮውን ክካፈል እየ፤ ነፍሰይውን ክትፀግቦም እያ፤ ሰይፈይ ክመዝዝ እየ፤ ኢደይውን ክተጥፍኦም እያ፤ በለ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos