10 ፈርዖን ምስ ቀረበ፥ ደቂ እስራኤል ኣዒንቶም ኣልዓሉ፤ እንሆ ግብፃውያን ደድሕሪኣቶም ከም ዝገስገሱ ምስ ረአዩ የመና ፈርሑ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ተማህለሉ።
እቶም ኣሕሉቕ ሰረገላታት ድማ፥ ንኢዮሳፍጥ ምስ ረአይዎ “እዙይ ርግፅ እቲ ንጉስ እስራኤል እዩ” በሉ፤ ክዋግእዎ ኸዓ ኸበብዎ ኢዮሳፍጥ ግና ኣእወየ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ኸድሕኖ ኢሉ ንፀላእቱ ኻብኡ መለሶም።
“ኣብ ግብፂ፥ እንተለዉውን ጭንቀት ኣቦታትና ረአኻ፤ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ እንተለዉ ድማ ኣውያቶም ሰማዕኻ።
ንሳቶም ናብኡ ምስ ኣእወዩ ግና ሰምዖም፤ መከራኦም ድማ ተመልከተ።
ምስ ጨነቖም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤ ካብ መከራኦምውን ኣድሓኖም።
ምስ ጨነቖም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤ ንሱውን ካብ መከራኣቶም ኣድሓኖም።
ምስ ጨነቖም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤ ንሱውን ካብ መከራኦም ኣድሓኖም።
ሽዑ ምስ ጨነቆም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤ ንሱውን ካብ መከራኦም ኣድሓኖም።
ፃድቃን ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤ ንሱ ድማ ሰምዖም፤ ካብ ኵሉ መከራኦምውን ኣናገፎም።
እግዚኣብሄር ነዕፅምቲ እቶም ግብዛት በቲኑ እዩሞ፥ ኣብኡ ዘፍርሕ እንተይሃለወ የመና ፈርሑ፤ እግዚኣብሄር ንዒቑዎም እዩ እሞ፥ ኣሕፈርካዮም።
ብመከራኻ ፀዋዕኻኒ፤ ኣድሓንኩኻውን፤ ብዝተሰወረ ኣውሎ መለስኩልካ፤ ኣብ ማይ መሪባ ፈተንኩኻ።
ፈርዖን ነቶም ህዝቢ ክኸዱ ምስ ሰደዶም ድማ፥ እግዚኣብሄር እቶም ህዝቢ ውግእ ምስ ረአዩ፥ ተናሲሖም ናብ ግብፂ ኸይምለሱ ኢሉ፥ ቀረባ እኳ እንተ ነበረት፥ በታ መንገዲ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ኣይመርሖምን።
ሙሴ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። እግዚኣብሄር ሓንቲ ዕንፀይቲ ኣርኣዮ፤ ንሱ ድማ ናብቲ ማይ ደርበያ፤ እቲ ማይ ከዓ ጠዓመ። ኣብኡ ሕግን ስርዓትን ገበረሎም፤ ኣብኡ ኸዓ ፈተኖም።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ብእዋን መከራኦም ደለዩኻ፤ ምስ ቀፃዕኻዮም ልመናኦም ናባኻ ኣፍሰሱ።
ንቤት ዳዊት “ሶርያን ኤፍሬምን ተሓባቢሮም” ዝብል ወረ ምስ ተሰምዐ፥ ኦም በረኻ ብንፋስ ከም ዝናወፅ ልቡን ልቢ ህዝቡን ከምኡ ተናወፀ።
ኣቲ ኣብ ሊባኖስ እትነብሪ፥ ኣጒዶኺውን ብዕንፀይቲ ዝግባ እትሰርሒ፥ ኣብ ልዕሌኺ መከራ እንትመፅእ፥ ሕርሲ ኸም ዝሓዛ ሰበይቲ፥ ኣውያትኪ ኸመይ ይኸውን!
“እምበኣር ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ምድረ በዳ ኸመይ ከም ዘቘጣዕኹምዎ ኣይትረስዑ። ካብታ ኻብ ሃገር ግብፂ ዝወፃእኹምላ መዓልቲ ጀሚርኩም፥ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽሳዕ እትበፅሑ፥ ንእግዚኣብሄር ከም ዝዓመፅኩም ዘክሩ።
ነቦታትኩም ካብ ግብፂ ምስ ኣውፃእኽዎም፥ ግብፃውያን ብሰረገላታትን በፍራስን ክሳዕ ባሕሪ ኤርትራ ሰዓብዎም። ናብ ባሕሪ ኤርትራ ምስ በፅሑ፥
ናባይ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፤ ኣብ መንጎኣቶምን ኣብ መንጎ ግብፃውያንን ድማ ፀልማት ገበርኩ፤ ነቲ ባሕሪ ኸዓ ናብ ልዕሊኣቶም ሰዲደ ደፈንክዎም። እቲ ንግብፃውያን ዝገበርኩዎ በዒንትኹም ርኢኹምዎ ኢኹም። ኣብ ምድረ በዳ ድማ ነዊሕ ዘመን ነበርኩም።
እታ ፍፅምቲ ፍቕሪ፥ ንፍርሓት ኣውፂኣ ደኣ ትድርብያ እምበር፥ ኣብ ፍቕርስ ፍርሓት የለን። ፍርሓት፥ ምስ መቕፃዕቲ ዝተተሓሓዘት ስለ ዝኾነት፥ እቲ ዝፈርሕ ሰብ፥ ፍቕሩ ፍፁም ኣይኮነን።