8 በታ መዓልቲ እቲኣ ንደቅኻ፦ ‘እዙይ ስለ እቲ እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ ኽወፅእ እንተለኹ ዝገበረለይ ኢለ እየ ዝገብሮ ዘለኹ’ ኢልካ ንገሮም።
ኦ ጐይታ፥ በእዛንና ሰማዕና፤ ኣቦታትናውን፥ እቲ ብዘመኖም፥ ብቐደም ዘመን ዝሰራሕኻዮ ስራሕ ነገሩና።
እዙይ ከዓ ነቲ ኣብ ግብፃውያን ዘውረድክዎ መዓትን፥ ነቲ ኣብ ማእኸሎም ዝገበርክዎ ምልክታተይን፥ ንደቅኹምን ንደቂ ደቅኹምን ኣብ እዝኖም ክትነግርዎም እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ እየ” በሎ።
“ብዝመፅእ ዘመን ደቅኻ ‘እዙይ እንታይ እዩ’ ኢሎም እንተ ጠየቑኻ፥ ‘እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ፥ ካብ ምድሪ ባርነት ብሓያል ቅልፅሙ ኣውፅአና።
ከምቲ ኣነ ሎሚ ዝገብሮ ዘለኹ፥ እቶም ህያዋን ንሳቶም የመስግኑኻ፤ ንስኻ እሙን ከም ዝኾንካ፥ ወለዲ ንደቆም የፍልጥዎም።
ኣቱም ወለዲውን፥ ብናይ ጐይታ ምኽርን ተግሳፅን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፥ ንደቅኹም ኣይተቘጥዕዎም።
“ብዳሕረዋይ ዘመን ‘እዝ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝኣዘዘኩም ትእዛዛትን ሕግጋትን ፍርድታትን እንታይ እዩ?’ ኢሎም ደቅኹም እንተ ጠየቑኹም፥