Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 13:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 በታ መዓልቲ እቲኣ ንደቅኻ፦ ‘እዙይ ስለ እቲ እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ ኽወፅእ እንተለኹ ዝገበረለይ ኢለ እየ ዝገብሮ ዘለኹ’ ኢልካ ንገሮም።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 13:8
9 Referencias Cruzadas  

ኦ ጐይታ፥ በእዛንና ሰማዕና፤ ኣቦታትናውን፥ እቲ ብዘመኖም፥ ብቐደም ዘመን ዝሰራሕኻዮ ስራሕ ነገሩና።


እዙይ ከዓ ነቲ ኣብ ግብፃውያን ዘውረድክዎ መዓትን፥ ነቲ ኣብ ማእኸሎም ዝገበርክዎ ምልክታተይን፥ ንደቅኹምን ንደቂ ደቅኹምን ኣብ እዝኖም ክትነግርዎም እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ እየ” በሎ።


“ብዝመፅእ ዘመን ደቅኻ ‘እዙይ እንታይ እዩ’ ኢሎም እንተ ጠየቑኻ፥ ‘እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ፥ ካብ ምድሪ ባርነት ብሓያል ቅልፅሙ ኣውፅአና።


ከምቲ ኣነ ሎሚ ዝገብሮ ዘለኹ፥ እቶም ህያዋን ንሳቶም የመስግኑኻ፤ ንስኻ እሙን ከም ዝኾንካ፥ ወለዲ ንደቆም የፍልጥዎም።


ኣቱም ወለዲውን፥ ብናይ ጐይታ ምኽርን ተግሳፅን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፥ ንደቅኹም ኣይተቘጥዕዎም።


“ብዳሕረዋይ ዘመን ‘እዝ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝኣዘዘኩም ትእዛዛትን ሕግጋትን ፍርድታትን እንታይ እዩ?’ ኢሎም ደቅኹም እንተ ጠየቑኹም፥


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos