7 በተን ሸውዓተ መዓልቲታት ቕጫ ብላዕ፤ ኣባኻ ብዅዕ ኣይረአ፤ ኣብ ኵሉ ኣዋሳኒኹምውን ማይ ብሑቕ ኣይረአ።
“ንሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ኽትበልዑ ኢኹም። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነቲ ብዅዕ ካብ ኣባይትኹም ክተውፅእዎ ኢኹም። ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ዝበዅዐ ዝበልዕ ሰብ ከዓ ኻብ ህዝቢ እስራኤል ተፈልዩ ይወገድ።
ጓና ኾነ ወዲ ዓዲ ብዅዕ ዝበልዐ ዅሉ፥ ካብ ህዝቢ እስራኤል ይፈለ። በተን ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ኣባይትኹም ብዅዕ ኣይረኸብ።
ኢየሱስ ድማ “ካብ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን፥ ተጠንቀቑ ተዓቀቡውን” በሎም።
ስለዙይ በቲ ኣረጊት መባዅዕቲ ወይ ብመባዅዕቲ ኽፍኣትን ሕሰምን ዘይኮነ፥ ብዘይበዅዐ ቅጫ፥ ብቕንዕናን ብሓቅን በዓልና ነኽብር።
ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ኵሉ ምድሪኹም ብዅዕ ኣይረአ። በታ መጀመርታ መዓልቲ ምሸት ዝሓረድኩምዎ ስጋ ኽሳዕ ንግሆ ኣይሕደር።
ፅባሕ እታ ፋሲካ ድማ፥ ካብ ፍረ እኽሊ እታ ምድሪ፥ ቅጫን ቆሎን በልዑ።