6 ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ በዓል እግዚኣብሄር ይኹን።
እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተረኽቡ ደቂ እስራኤል ድማ ብዓብዪ ሓጐስ፥ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ቅጫ ኣብዓሉ። ሌዋውያንን ካህናትን ድማ በብመዓልቱ ብመሳርሒ ሙዚቃ ንእግዚኣብሄር መዝሙር እናዘመሩ የመስግኑ ነበሩ።
“ንበዓል ቅጫ ሓልውዎ። ካብ ግብፂ ብወርሒ ኣቢብ ወፂእኹም ኢኹም እሞ፥ በዝ ምዱብ ወርሒ እዙይ ከምቲ ዝኣዘዝኩኹም ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ።”
ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕ ከዓ ኣይትስርሑ።
ሽዱሽተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ፤ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ ጉባኤ ይኹን፤ ዝኾነ ስራሕ ከዓ ኣይትስርሑ።
ፅባሕ እታ ፋሲካ ድማ፥ ካብ ፍረ እኽሊ እታ ምድሪ፥ ቅጫን ቆሎን በልዑ።