Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 13:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 እግዚኣብሄር ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ኤዋውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፥ ‘ንኣኻትኩም ክህበኩም እየ’ ኢሉ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ ምስ ኣእተወኩም፥ ሽዑ ነዝ በዓል እዙይ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣኽብርዎ ኢኹም።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 13:5
31 Referencias Cruzadas  

እዘን ኵለን ምድርታት ንኣኻን ንዘርእኻን ክህበካ እየ እሞ፥ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ተቐመጥ። ኣነ ኸዓ ምሳኻ ክኸውንን ክባርኸካን እየ። እቲ ነቦኻ ኣብርሃም ዝመሓልኩሉ ማሕላ ድማ ኸፅንዖ እየ።


ዮሴፍ ድማ ነሕዋቱ፥ “ኣነ ኽመውት እየ። እግዚኣብሄር ግና ብሓቂ ኽምልከተኩም እዩ፤ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ኸዓ ናብታ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ዝመሓለሎም ምድሪ ኽመልሰኩም እዩ” በሎም።


ንጌርጌሳውያንን፥ ንኤዊያዊውን፥ ንዓርካውያንን ንሲናውያንን፥


“ነዝ ስርዓት እዙይ ንስኻትኩምን ደቅኹምን ንዘለኣለም ሓልውዎ።


ነዝ ስርዓት እዙይ በቲ ውሱን ጊዜኡ ዓመት ዓመት ሓልዎ።


“እግዚኣብሄር ድማ ናብታ ንኣኻን ነቦታትካን ዝመሓለልካ ምድሪ ከነዓናውያን ምስ ኣእተወካ ንኣኣውን ምስ ሃበካ፥


ካብ መከራ ግብፂ ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኸደይበኩም እየ’ ኢሉ እዩ ኢልካ ንገሮም።


ስለዙይ ካብ ኢድ ግብፃውያን ከድሕኖም ወሪደ ኣለኹ፤ ካብታ ምድሪ እቲኣ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ፅብቕትን ስፍሕትን ምድሪ፥ ናብ ዓዲ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን ከደይቦም እየ።


‘ንዘርእኹም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝሖ እየ። ነታ ኽህቦም ዘተስፈኽዋ ምድሪ ድማ ብምልእታ ንዘርእኹም ክህባ እየ። ንሳቶም ከዓ ንዘለኣለም ርስቶም ክገብርዋ እዮም’ ኢልካ ብርእስኻ ዝመሓልካሎም፥ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ባሮትካ ዘክር።”


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ንስኻን እዝ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኻዮ ህዝብን ካብዙይ ኪዱ፤ ናብታ ‘ንዘርእኹም ክህቦም እየ’ ኢለ፥ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ዝመሓልኩሎም ምድሪ ደይቡ።


ነዝ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ሓልውዎ፤ እንሆ፥ ኣነ ኸዓ ንኣሞራውያንን ንከነዓናውያንን ንኬጢያውያንን ንፌርዛውያንን ንሃዋውያንን ንኢያቡሳውያንን ካብ ቅድሜኹም ክሰጎም እየ።


ነታ ስደተኛታት ኮይኖም ተቐሚጦምላ ዝነበሩ ምድሪ ከነዓን ክህቦም ኪዳን ኣትየሎም እየ።


ናብታ ኢደይ ኣልዒለ፥ ‘ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ክህባ እየ’ ኢለ ዝመሓልኩላ ምድሪ ኸእትወኩም እየ፤ ርስቲ ኽትኮነኩም ከዓ ኽህበኩም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ” ድማ በሎ።


ሽዑ ኸምዝ ሕዚ ኾይንዎ ዘሎ፥ ነታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ሃገር ከም ዝህቦም ነቦታቶም ኣተስፍየዮም ዝነበርኩ ኽፍፅሞ እየ” ኣነ ኸዓ “ኣሜን ጐይታይ” ኢለ መለስኩ።


ነታ ነቦታቶም ክትህቦም ዝመሓልካሎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ ሃገር ከዓ ሃብካዮም።


በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኸውፅኦም፥ ናብታ ኣነ ዝሓረኹሎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ፥ ካብ ኵሉ ምድሪ እትበልፅ ምድሪ ኸእትዎም መሓልኩሎም።


ንስኻትኩም ግና ምድሮም ክትወርሱ ኢኹም፤ ኣነ ኸዓ “ነታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ንርስትኹም ክህበኩም እየ” በልኩኹም። ካብ ህዝብታት ዝፈለኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።


‘መጕዚት፥ ንዝጠቡ ህፃን ከም እትፀውር፥ ናብታ ነቦታቶም ዝመሓልካሎም ምድሪ ኽሳዕ ዘእትዎም ኣብ ሕቝፍኻ ፁሮም’ እትብለንስ፥ ነዝ ዅሉ ህዝቢ እዙይ ኣነዶ ጠኒሰዮ? ኣነዶኸ ወሊደዮ እየ?


ንሙሴ ድማ “ናብታ ዝሰደድካና ምድሪ በፃሕና፤ ብሓቂ ኸዓ ንሳ ፀባን መዓርን እተውሕዝ እያ፤ ፍረኣ ኸዓ እዙይ እዩ።


‘እግዚኣብሄር ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ናብታ ዝመሓለሎም ምድሪ ኸእትዎም ስለ ዘይከኣለ፥ ኣብ በረኻ ኣጥፍኦም’ ኢሎም ክዛረቡ እዮም።


ናብታ ኢደይ ኣልዒለ ‘ናብኣ ኸእትወኩም እየ’ ኢለ ዝመሓልኩልኩም ምድሪ፥ እንትርፊ ካሌብ ወዲ ዮፎኒን ኢያሱ ወዲ ነዌን ንስኻትኩም ኣይትኣትዉን ኢኹም።


‘ብዘይ እቶም ንእግዚኣብሄር ብምሉእ ልቦም ዝተኣማመኑ ካሌብ ወዲ ዮፎኒ ቄኔዛውን፥ ኢያሱ ወዲ ነዌን፥ እዞም ብምሉእ ልቦም ዘይተኣማመኑ፥ እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ ሰባት፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ፥ ነታ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኣይርእይዋን እዮም።’


“ነዞም ክትወርስዎም እትኸዱ ዘለኹም ኣህዛብ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ቅድሜኹም ከጥፍኦም እዩ። ንስኻትኩም ከዓ ንኣኣቶም ወሪስኩም ኣብ ምድሮም ክትቅመጡ ኢኹም።


“ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምድሮም ዝህበኩም ኣህዛብ፥ ምስ ኣጥፍኦም እሞ ምስ ወረስኩምዎም፥ ኣብ ከተማታቶምን ኣብ ኣባይቶምን ድማ ምስ ተቐመጥኩም፥


“ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ ወሪስኩምዋ ድማ ኣብኣ ምስ ተቐመጥኩም፥


“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብታ ኽትወርስዋ ትኸዱ ዘለኹም ምድሪ ኸእትወኩም እዩ፤ ክትኣትውዋ እንተለኹም ከዓ ንኬጢያውያንን ጌርጌሳውያንን ኣሞራውያንን ከነዓናውያንን ፈሪዛውያንን ሔዋውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ነዞም ሸውዓተ ኻባኻትኩም ዝዓብዩን ዝሕይሉን ብዙሓት ህዝብታት ካብ ቅድሜኹም ምስ ሰጐጎም፥


ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ድማ ናብ ኢያሪኮ መፃእኹም እሞ፥ ሰብ ኢያሪኮን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ጌርጌሳውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ድማ ተዋግኡኹም፤ ኣነ ኸዓ ንኣኣቶም ኣብ ኢድኩም ሃብኩኹም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos