19 ዮሴፍ ንደቂ እስራኤል “እግዚኣብሄር ብርግፅ ክምልከተኩም እዩ፤ ሽዑ ነዕፅምተይ ካብዙይ ምሳኻትኩም ውሰድዎ” ኢሉ ኣምሒልዎም ነበረ እሞ፥ ሙሴ ነዕፅምቲ ዮሴፍ ምስኡ ወሰዶ።
ያእቆብ ድማ ንዮሴፍ፥ “እንሆ፥ ኣነ ኽመውት ቀሪበ ኣለኹ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ። ናብ ምድሪ ኣቦታትኩም ድማ ኽመልሰኩም እዩ።
እቲ ህዝቢ ድማ ኣመነ። እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ከም ዝተመልከቶም፥ መከራኦምውን ከም ዝረአየ ምስ ሰምዑ፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱ።
ጐረባብታን ኣዝማዳን ከዓ፥ እግዚኣብሄር ምሕረቱ ኸም ዘዕበየላ ሰሚዖም፥ ምስኣ ተሓጐሱ።
ንዅሎም ከዓ ፍርሓት ሓዞም፤ “ኣብ ማእኸልና ዓብዪ ነቢይ ተሲኡልና፤ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ተመልኪትዎ” እናበሉ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣመስገንዎ።
ያእቆብ ድማ ናብ ግብፂ ወረደ፤ ንሱ ሞተ፤ ኣቦታትናውን ሞቱ።
ናብ ሴኬምውን ኣግዓዝዎም፤ ኣብቲ ኣብርሃም ካብ ደቂ ኤሞር ብወርቂ ዝዓደጎ መቓብር፥ ኣብ ሴኬም ቀበርዎም።
ዮሴፍ ኣብ ኣጋ ሞቱ፥ ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኸም ዝወፁ፥ ብእምነት ኣዘከረ፤ ብዛዕባ ኣዕፅምቱውን ትእዛዝ ሃበ።
እቲ ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ዝተማልእዎ ኣዕፅምቲ ዮሴፍ ድማ ኣብታ ያእቆብ ካብ ደቂ ኤሞር ኣቦ ሴኬም ብሚእቲ ቅርሺ [ብሩር] ዝዓደጋ ግራት፥ ኣብ ሴኬም ቀበርዎ። ንደቂ ዮሴፍ ድማ ርስቲ ኾነቶም።