Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 13:18 - መፅሓፍ ቅዱስ

18 እግዚኣብሄር ግና ነቶም ህዝቢ ብመንገዲ ምድረ በዳ ኣቢሉ ንባሕሪ ኤርትራ ኣዞሮም። ደቂ እስራኤል ድማ ንውግእ ከም ዝተዳለዉ ኾይኖም፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ተሰሊፎም ወፁ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 13:18
13 Referencias Cruzadas  

ዮሴፍ ድማ ንደቂ ያእቆብ፥ “እግዚኣብሄር ብሓቂ ኽምልከተኩም እዩ እሞ፥ ነዕፅምተይ ካብዙይ ከም እትወስድዎ ግበሩ” ኢሉ ኣምሓሎም።


ናብታ ዝነብሩላ ኸተማ ክኸዱ፥ ብቕኑዕ መንገዲ መርሖም።


ንህዝቡ ብምድረ በዳ ዝመርሖም፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።


ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሲና፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እስራኤል፥ ሰማያትውን ኣንጠብጠቡ።


እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፅኦም።


“ንደቂ እስራኤል፥ ተመሊሶም ኣብ መንፅር ፒሃሒሮት፥ ኣብ መንጎ ሚግዶልን ባሕርን ክሰፍሩ ንገሮም። ኣብ መንፅር በዓልፀፎን፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ስፈሩ።


ግብፃውያን ድማ፥ ኵሎም ኣፍራስ ፈርዖንን ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ኵሎም ሰራዊቱን ደድሕሪኣቶም ገስጊሶም፥ ደቂ እስራኤል ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኣብ ፒሃሒሮት ኣብ መንፅር በዓልፀፎን ሰፊሮም እንተለዉ ኣርከብዎም።


እቲ ንጉስ ኣፍራስ ኣየብዝሕ፤ ኣፍራስ ምእንቲ ኸብዝሕ ኢሉ ኸዓ፥ ናብ ግብፂ ሰብ ኣይልኣኽ። እግዚኣብሄር ‘ድሕሪ ደጊም ነዛ መንገዲ እዚኣ ኣይትመለስዋ’ ኢሉኩም እዩ።


“ኣብ ፅምዊ ባድማ በረኻ፥ ኣራዊት ዘድምፀሉ፥ ኣብ ምድረ በዳ ረኸቦ፤ ከበቦን ተኸናኸኖን ከም ብሌን ዓይኒውን ሓለዎ።


ኣንስትኹምን ህፃናትኩምን ከፍትኹምን ኣብታ ሙሴ ኣብ ማዕዶ ፈለግ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ምድሪ ይፅንሑ። ንስኻትኩም ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ዘዕረፈኩም፥ ነሕዋትኩም ድማ ኽሳዕ ዘዕርፎም፥ ንሳቶምውን እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዝወርሱ፥ ሓያላት ጀጋኑ ዝኾንኩም ኵልኻትኩም ኣፅዋር ሒዝኩም፥ ነሕዋትኩም ክትሕግዙ ቐቅድሚኣቶም ሕለፉ። ብድሕሪኡ ናብታ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ፥ ብምውፃእ ፀሓይ ብወገን ምብራቕ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ምድሪ ርስትኹም ክትምለሱ ኢኹም” በሎም።


ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴንውን፥ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፥ ኣፅዋር ሒዞም ቀቅድሚ ደቂ እስራኤል ተሳገሩ።


ኣስታት ኣርብዓ ሽሕ ዝኾኑ ኣፅዋር ሒዞም ንውግእ ተዳልዮም ኣብ ጐልጐል ኢያሪኮ ኽዋግኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተሳገሩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios