16 እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ፥ ብሓያል ቅልፅሙ ኣውፂኡና እዩ እሞ፥ እዙይ ድማ ኣብ ኢድካ ኸም ዝተንጠልጠለ፥ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ኸዓ ኸም መዘከርታ ይኹንካ” በሎ።
“ንሳቶም ብዓብዪ ሓይልኻን ብብርቱዕ ቅልፅምካን ዝተቤዘኻዮም ባሮትካን ህዝብኻን እዮም።
ንእስራኤል ካብ ማእኸሎም ዘውፅኦም፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
እቲ ደም ኣበየንአን ኣባይቲ ኸም ዘለኹም ምልክት ክኾነኩም እዩ፤ ኣነ ኸዓ ነቲ ደም ምስ ረአኹ ኽሓልፈኩም እየ። ንምድሪ ግብፂ ኽወቕዓ እንተለኹ ድማ፥ እቲ ዝቐትል መዓት ኣይነኽአኩምን እዩ።
በታ እተን ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመታት ዝተወድኣላ መዓልቲ፥ ኵሎም ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ግብፂ ወፁ።
“ብዝመፅእ ዘመን ደቅኻ ‘እዙይ እንታይ እዩ’ ኢሎም እንተ ጠየቑኻ፥ ‘እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ፥ ካብ ምድሪ ባርነት ብሓያል ቅልፅሙ ኣውፅአና።
እግዚኣብሄር ብሓያል ኢዱ ኻብ ግብፂ ኣውፂኡካ እዩ እሞ፥ ሕጊ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኣብ ኣፍካ ክኸውን፥ ኣብ ኢድካ ንምልክት፥ ኣብ ኣዒንትኻ ድማ ንመዘከርታ ይኹነልካ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣብ ልዕሊ ፈርዖን ዝገብሮ፥ ሕዚ ኽትርኢ ኢኻ። ብሓያል ኢድ ክሰዶም እዩ። እወ፥ ብሓያል ኢድ ካብ ምድሩ ኣውፂኡ ኽሰጎም እዩ” በሎ።
ስለዙይ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ካብ ትሕቲ እቲ ኣርዑት ግብፃውያን ከውፅአኩም እየ፤ ካብ ባርነት ግብፂውን ሓራ ኸውፅአኩም እየ፤ ብሓያል ቅልፅምን ብብርቱዕ መቕፃዕትን ከድሕነኩም እየ።
ኵልሻዕ ኣብ ልብኻ ዕቘሮ፤ ኣብ ክሳድካ እሰሮ።
“ሕዚ እውን ንህዝብኻ ኻብ ምድሪ ግብፂ ብብርትዕቲ ኢድ ዘውፃእኻ፥ ከምዝ ሎሚ ኽሳዕ እዝ መዓልቲ እዙይውን ስምካ ኽፍለጥ ዝገበርካ ጐይታ ኣምላኽና፥ ሓጢኣት ሰሪሕና ኢና፤ ንኣኻውን በዲልና ኢና።
ኵሉ ዝገብርዎ፥ ሰብ ክሪአልና ኢሎም ይገብሩ፤ ክታባቶም የግፍሑ፤ ዘፈር ክዳውንቶምውን የንውሑ።
ኣምላኽ ህዝቢ እስራኤል፥ ነቦታትና ሓረዮም፤ ኣብ ምድሪ ግብፂ ተሰዲዶም ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ፥ ነቲ ህዝቢ ልዕል ልዕል ኣበሎ፤ በቲ ዓብዪ ሓይሉ ድማ፥ ካብኣ ኣውፅኦም።
ነዝ ትእዛዝ እዙይ ኣብ ልብኹምን ኣብ ነፍስኹምን ኣንብርዎ፤ ንምልክት ከዓ ኣብ ኣእዳውኩም እሰርዎ፤ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ድማ ኽታብ ይኹን።
እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድን ብብርቱዕ ቅልፅምን ብዘደንቕ ዓብዪ ነገርን ብምልክትን ብተኣምራትን ካብ ግብፂ ኣውፅአና።
ንስኻ ድማ ኣብ ሃገር ግብፂ ባርያ ኸም ዝነበርካ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸዓ ብፅንዕቲ ኢድን ብሓያል ቅልፅምን ካብኣ ኸም ዘውፅአካ ዘክር፤ ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ መዓልቲ ሰንበት ክትሕሉ ኣዘዘካ።
ንስኻትኩም ‘ኣብ ግብፂ ባሮት ፈርዖን ነበርና፤ እግዚኣብሄር ከዓ ብሓያል ኢድ ካብ ግብፂ ኣውፅአና።
ነቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኦም ንኣምላኽ ኣቦታቶም ንእግዚኣብሄር ሓደግዎ። ደድሕሪ ኣማልኽቲ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነብሩ ኣህዛብ ከዱ፤ ንኣኣቶምውን ሰገዱሎም። በዙይ ከዓ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዕዎ።