Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 13:12 - መፅሓፍ ቅዱስ

12 ኵሉ ማህፀን እኖኡ ዝኸፍት፥ ንእግዚኣብሄር ክኸውን ፍለዮ፤ ካብ ዘለካ እንስሳ መጀመርታ ዝተወልደ ዅሉ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር ይኹን።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 13:12
17 Referencias Cruzadas  

“ከምቲ ኣብ ሕጊ ተፅሒፉ ዘሎ ድማ፥ በዅሪ ደቅናን እንስሳናን በዅሪ ኸፍትናን ኣባጊዕናን ናብቶም ንቤት ኣምላኽና ዘገልግሉ ኻህናት፥ ናብ ቤት ኣምላኽና ኽነምፅእ ኢና።


“ቀዳማይ ብሑቝናን፥ ናይ መስዋእቲ እኽልናን፥ ፍረ ዅሉ ዓይነት ኣእዋምን፥ ናይ ወይንን ናይ ዘይትን፥ ንኻህናት ኣስራት እናውፃእና ኽንህብ ኢና። ኣብ ኵሉ ሕርሻ እተን ከተማታትና ዓስራት ዝወስዱ ሌዋውያን እዮም እሞ፥ ናይ ምድርና ዓስራት ኽነምፅአሎም ምሒልና ኢና።


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፥ “ኣብ ደቂ እስራኤል ኵሉ ማህፀን እኖኡ ዝኸፍት፥ ሰብ ኮነ እንስሳ፥ ናተይ እዩ እሞ ዅሉ በዅሪ ንኣይ ቀድሶ” በሎ።


“ንእግዚኣብሄር ኣይትፅረፍ፤ ንሓለቓ ህዝብኻ ድማ ኣይትርገም።


“ካብ ምልኣት ማዕኸንካን ካብ መፅመቝ ወይንኻን መባእ ንምቕራብ ኣይትደንጒ። “ካብ ኣወዳትካ ነቲ በዅሪ ንኣይ ሃበኒ።


“ኵሉ ማህፀን ዝኸፍት፥ ተባዕታይ ዝኾነ በዅሪ እንስሳኹም፥ ብዕራይ ኮነ በጊዕ ናተይ እዩ።


ንበዅሪ ኣድጊ ግና ብበጊዕ ተቤዘውዎ። ክትብዘውዎ እንተ ዘይደሊኹም ግና ኽሳዱ ቘልዕፅዎ፤ ካብ ደቅኹም ከዓ ነቲ በዅሪ ዝኾነ ተቤዘውዎ።” “ሓደ እኳ ጥራሕ ኢዱ ኣብ ቅድመይ ኣይረአ።”


“ነቶም ንኣይ ዝወለድክዮም ኣወዳትክን ኣዋልድክን ከዓ ምእንቲ ኽውሕጥዎም፥ ኣልዒልኪ ሰዋእኽዮም፤ ንደቀይ ሓሪድኪ ብሓዊ ኣሕሊፍኪ ዝወፈኽዮምስ እዝ ምንዝርናኽዶ ውሒዱኪ እዩ?


ኵሉ በዅሪ ፍርያትኩምን፥ ኵሉ መባእኹም ዝኾነ ይኹን መባእ ዘበለን ንኻህናት ይኹን፤ ንቤትኩም በረኸት ምእንቲ ኽሓድራ፥ በዅሪ ሕሩጭኩም ብዛዕባኡ ሃቡ።


በዅሪ እንስሳ ዝኾነ ናተይ ናይ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾነ፥ ብመብፅዓ ንእግዚኣብሄር ኣይውፈን እዩ። በዅሪ ብዕራይ ኮነ በዅሪ በጊዕ ኵሉ ናተይ ናይ እግዚኣብሄር እዩ።


ኵሉ ማህፀን ዝኸፍት ሰብ ኮነ እንስሳ ንእግዚኣብሄር ዘቕርብዎ ንኣኻ ይኹን። ንበዅሪ ሰብ ኮነ ንበዅሪ ዘይንፁህ እንስሳ ግና ተቤዘዎ።


“እንሆ፥ ኣነ ኽንዲ እቲ ኣብ ደቂ እስራኤል ማህፀን ዝኸፈተ ዅሉ በዅሪ፥ ንሌዋውያን ካብ ማእኸል ደቂ እስራኤል መሪፀ ፈልየዮም እየ እሞ፥ ሌዋውያን ንኣይ ይኹኑ።


በዅሪ ዝኾነ ዅሉ ንኣይ ስለ ዝኾነ፥ በታ ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብፂ ዝወቓዕኹላ መዓልቲ፥ ሰብ ኮነ እንስሳ፥ ኵሉ በዅሪ ኣብ እስራኤል፥ ንኣይ ክኸውን መሪፀ ፈልየዮ እየ፤ ንኣይ ይኹኑ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።”


ኣብ ደቂ እስራኤል ሰብ ኮነ እንስሳ፥ ኵሉ በዅሪ ናተይ ስለ ዝኾነ፥ በታ ኣብ ግብፂ ንዅሉ በዅሪ ዝቐተልኩላ መዓልቲ ንኣይ ቀደስክዎም።


እዙይ ድማ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር “ኵሉ ማህፀን እኖኡ ዝኸፍት፥ በዅሪ ወዲ፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ይበሃል” ዝብል ተፅሒፉ ስለ ዝነበረ እዩ።


“ካብ ኵሉ ኸፍትኹምን ኣባጊዕኹምን ዝተወልደ ተባዕታይ በዅሪ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፍለይዎ። ብበዅሪ ብዕራይኩም ኣይትስርሑ፤ ፀጕሪ በዅሪ በጊዕኹም ድማ ኣይትቝረፁ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos