11 “እግዚኣብሄር ድማ ናብታ ንኣኻን ነቦታትካን ዝመሓለልካ ምድሪ ከነዓናውያን ምስ ኣእተወካ ንኣኣውን ምስ ሃበካ፥
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ እግዚኣብሄር ምስ ኣብራም “እዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ሩባ ግብፂ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ፥
ኵላ ምድሪ ከነዓን፥ እዛ ሕዚ ስደተኛ ዄንካ ተቐሚጥካያ ዘለኻ ምድሪ፥ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ንዘለኣለም ክህብ እየ። ኣምላኽውን ክኾኖም እየ” በሎ።
እንሆ ኣነ ምሳኻ እየ፤ ነቲ ዝበልኩኻ ኽሳዕ ዝገብሮ ኣይሓድገካን እየ፤ ኣብ ኵሉ እትኸዶ ኽሕልወካ እየ፤ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ኽመልሰካ እየ” በሎ።
ነቲ ቕዱስ ቃሉን፥ ነቲ ባርያኡ ኣብርሃምን፥ ዘኪሩ እዩ እሞ።
እግዚኣብሄር ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ኤዋውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፥ ‘ንኣኻትኩም ክህበኩም እየ’ ኢሉ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ ምስ ኣእተወኩም፥ ሽዑ ነዝ በዓል እዙይ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣኽብርዎ ኢኹም።
‘ንዘርእኹም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝሖ እየ። ነታ ኽህቦም ዘተስፈኽዋ ምድሪ ድማ ብምልእታ ንዘርእኹም ክህባ እየ። ንሳቶም ከዓ ንዘለኣለም ርስቶም ክገብርዋ እዮም’ ኢልካ ብርእስኻ ዝመሓልካሎም፥ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ባሮትካ ዘክር።”
‘መጕዚት፥ ንዝጠቡ ህፃን ከም እትፀውር፥ ናብታ ነቦታቶም ዝመሓልካሎም ምድሪ ኽሳዕ ዘእትዎም ኣብ ሕቝፍኻ ፁሮም’ እትብለንስ፥ ነዝ ዅሉ ህዝቢ እዙይ ኣነዶ ጠኒሰዮ? ኣነዶኸ ወሊደዮ እየ?