10 ነዝ ስርዓት እዙይ በቲ ውሱን ጊዜኡ ዓመት ዓመት ሓልዎ።
ነዛ መዓልቲ እዚኣ ዘክርዋ፤ ንኣይ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣብዕልዋ፤ ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩምውን ንውሉድ ወለዶ ኣብዕልዋ።
“ንዅሉ ሰራዊትኩም ካብ ምድሪ ግብፂ በዛ መዓልቲ እዚኣ እየ ዘውፃእኽዎም እሞ፥ ንበዓል ቅጫ ኣብዕልዋ። ንውሉድ ወለዶ፥ ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩም ሓልውዋ።
እዛ ለይቲ እዚኣ፥ ብኣኣ ኻብ ምድሪ ግብፂ ስለ ዘውፅኦም፥ ንእግዚኣብሄር ፍፁም ዝተሓለወት እያ፤ እዛ ለይቲ እዚኣ፥ እስራኤላውያን ንውሉድ ወለዶኦም ንእግዚኣብሄር ፍፁም ዝተሓለወት ለይቲ እያ።
እግዚኣብሄር ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ኤዋውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፥ ‘ንኣኻትኩም ክህበኩም እየ’ ኢሉ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ ምስ ኣእተወኩም፥ ሽዑ ነዝ በዓል እዙይ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣኽብርዎ ኢኹም።
“በቲ ምዱብ እዋን፥ ብወርሒ ኣቢብ፥ ካብ ግብፂ በዛ ወርሒ እዚኣ ኢኻ ዝወፃእኻ እሞ፥ በዓል ቅጫ ኣብዕል፤ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብላዕ። “ጥራሕ ኢድካ፥ ኣብ ቅድመይ ኣይትረአ።
በታ ወርሒ እቲኣ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናተይ ናይ እግዚኣብሄር በዓል ቅጫ እዩ። ሸውዓተ መዓልቲ ዘይበዅዐ ቕጫ ብልዑ።