1-2 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፥ “ኣብ ደቂ እስራኤል ኵሉ ማህፀን እኖኡ ዝኸፍት፥ ሰብ ኮነ እንስሳ፥ ናተይ እዩ እሞ ዅሉ በዅሪ ንኣይ ቀድሶ” በሎ።
እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፅኦም።
ኵሉ ማህፀን እኖኡ ዝኸፍት፥ ንእግዚኣብሄር ክኸውን ፍለዮ፤ ካብ ዘለካ እንስሳ መጀመርታ ዝተወልደ ዅሉ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር ይኹን።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦