9 ርእሱን ኣእጋሩን ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ብሓዊ ጠቢስኩም ብልዕዎ እምበር፥ ካብቲ ጥረ ስጋ ኾነ፥ ካብቲ ብማይ ዝበሰለ ኣይትብልዑ።
ነቲ መስዋእቲ ፋሲካ ድማ ኸምቲ ስሩዕ ኣብ ሓዊ ጠበስዎ፤ ነቲ ቕዱስ መስዋእቲ ኸዓ ብቝራዓትን መቕሎታትን ድስትታትን እናብሰሉ፥ ንዅሎም ነቶም ህዝቢ ቐልጢፎም ዓደልዎም።
ነቲ ስጋኡ ድማ ብሓዊ ጠቢሶም ብቕጫን መሪር ሓምልን ገይሮም በታ ለይቲ እቲኣ ይብልዕዎ።
ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላት ዝጕልብብ ቃንጡጥን ኣብ ልዕሊ ኸብዲ ዘሎ ስብሕን፥ ንኽልቲኡ ዀላሊትን፥ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ስብሕን፥ ብምሉኡ ወሲድካ ኣብ መሰውኢ ኣሕርሮ።
ነቲ ማጕላ ድማ በብብልዕቱ ቘራርፆ፤ ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ኣእጋሩን ከዓ ሓፂብካ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተቘራረፀ ስጋኡን ርእሱን ኣንብሮ።
ሜም። “ካብ ላዕሊ ሓዊ፥ ናብ ኣዕፅምተይ ሰደደ፤ በርትዐኒውን፤ ንእግረይ መፈንጠር ዘርግሐለይ፤ ንድሕሪት ድማ መለሰኒ፤ ኣጥፍአኒ፤ ኵልሻዕውን ኣድከመኒ።”
እቲ ሰብኣይ ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ኣእጋሩን ብማይ ይሕፀቦ፤ እቲ ኻህን ድማ ነቲ ዅሉ ዝቃፀል መስዋእቲ ናይ ሓዊ ቝርባን ገይሩ ብእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና ንክኸውን ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ የቃፅሎ።
ነቲ ሕሩድ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሓረያ ቦታ ኣብሲልኩም ብልዕዎ። ንፅባሒቱ ድማ ናብ ድንኳናትኩም ተመለሱ።