51 እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፅኦም።
ዮሴፍ ድማ ነሕዋቱ፥ “ኣነ ኽመውት እየ። እግዚኣብሄር ግና ብሓቂ ኽምልከተኩም እዩ፤ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ኸዓ ናብታ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ዝመሓለሎም ምድሪ ኽመልሰኩም እዩ” በሎም።
ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝወፁ፥ ኣብ መበል ኣርባዕተ ሚእትን ሰማንያን ዓመት፥ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ካብ ዝነግስ ኣብ ራብዐይቲ ዓመት በታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ ብወርሒ ዚፍ፥ ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄር ክሃንፅ ጀመረ።
እግዚኣብሄር ከዓ ነቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ቅድሚ ይሁዳ ወቕዖም፤ እቶም ኢትዮጵያውያን ድማ ሃደሙ።
እስራኤል ካብ ግብፂ፥ ቤት ያእቆብውን ካብ ቋንቋኡ ዘይፍለጥ ህዝቢ ብዝወፁሉ ጊዜ፥
ንእስራኤል ካብ ማእኸሎም ዘውፅኦም፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
በታ እተን ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመታት ዝተወድኣላ መዓልቲ፥ ኵሎም ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ግብፂ ወፁ።
ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፥ “ኣብ ደቂ እስራኤል ኵሉ ማህፀን እኖኡ ዝኸፍት፥ ሰብ ኮነ እንስሳ፥ ናተይ እዩ እሞ ዅሉ በዅሪ ንኣይ ቀድሶ” በሎ።
ኵሎም ማሕበር እስራኤል ካብ ኤሊም ተልዒሎም፥ ኣብ መንጎ ኤሊምን ሲናን ናብ ዘሎ ሲን ዝበሃል ምድረ በዳ በፅሑ። እዙይ ከዓ ኻብ ምድሪ ግብፂ ምስ ወፁ፥ ኣብ ካልአይቲ ወርሒ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ነበረ።
ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝወፁ ብሳልሰይቲ ወርሒ፥ በታ መጀመርታ መዓልቲ ናብ ምድረ በዳ ሲና መፁ።
ስለዙይ ካብ ኢድ ግብፃውያን ከድሕኖም ወሪደ ኣለኹ፤ ካብታ ምድሪ እቲኣ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ፅብቕትን ስፍሕትን ምድሪ፥ ናብ ዓዲ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን ከደይቦም እየ።
እቶም እግዚኣብሄር “ንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፅእዎም” ኢሉ ዝኣዘዞም፥ ኣሮንን ሙሴን፥ እዚኣቶም እዮም።
ስለዙይ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ካብ ትሕቲ እቲ ኣርዑት ግብፃውያን ከውፅአኩም እየ፤ ካብ ባርነት ግብፂውን ሓራ ኸውፅአኩም እየ፤ ብሓያል ቅልፅምን ብብርቱዕ መቕፃዕትን ከድሕነኩም እየ።
ፈርዖን ግና ኣይሰምዐኩምን እዩ። ሽዑ ኣነ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ግብፂ ኽገብር እየ። ንሰራዊተይ፥ ነቶም ህዝበይ ዝኾኑ ደቂ እስራኤል ከዓ፥ ብዓቢዪ ፍርዲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኸውፅኦም እየ።
ምድሪ እቲ ኣሞራዊ ምእንቲ ኽትወርሱ፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፃእኹኹም፤ ኣርብዓ ዓመት ድማ፥ ኣብ ምድረ በዳ መራሕኩኹም።
ኣነ ኻብ ሃገር ግብፂ ኣውፃእኹኻ፤ ካብ ቤት ባርነትውን ኣድሓንኩኻ፤ ቀቅድሜኻውን ንሙሴን ንኣሮንን ንማርያምን ሰደድኩልካ።
እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ ኣውፅኦም፤ ከም ናይ ሓርሽ ዝበለ ሓይሊ ኣለዎም።
“ከምቲ እግዚኣብሄር ንኣይን ነቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ዝወፁ ደቂ እስራኤልን ዝኣዘዘና፥ ነቶም ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ ቝፀርዎም” ኢሎም ተዛረቡዎም። እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ እስራኤላውያን እዞም ዝስዕቡ እዮም፦
ደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ብሙሴን ብኣሮንን እናተመርሑ ኻብ ግብፂ ምስ ወፁ፥ ጕዕዞኦም ከምዙይ ነበረ፦
ኣምላኽ ህዝቢ እስራኤል፥ ነቦታትና ሓረዮም፤ ኣብ ምድሪ ግብፂ ተሰዲዶም ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ፥ ነቲ ህዝቢ ልዕል ልዕል ኣበሎ፤ በቲ ዓብዪ ሓይሉ ድማ፥ ካብኣ ኣውፅኦም።
“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ወርሒ ኣቢብ ካብ ግብፂ ብለይቲ ኣውፂኡኩም እዩ እሞ፥ ንወርሒ ኣቢብ ሓልዉ፤ ፋሲካ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኣብዕሉ።
ነቦታትኩም ስለ ዝፈተዎም ድማ ብድሕሪኦም ንኣኻትኩም ሓረየኩም፤ ባዕሉ ኸዓ ብዓብዪ ሓይሉ ኻብ ግብፂ ኣውፅአኩም።
ንሙሴን ንኣሮንን ልኢኸ ኸዓ ንግብፂ፥ በቲ ኣብ ማእኸላ ዝገበርኩዎ ገይረ ቐፃዕኽዋ፤ ብድሕሪኡ ድማ ኣውፃእኹኹም።
ንዅሉ ትፈልጥዎ እንተ ኾንኩም እኳ፥ ጐይታ ንህዝቡ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኣውፂኡ ኸም ዘድሓኖም፥ ነቶም ዘይኣምኑ ግና፥ ከም ዘጥፍኦም ከዘኻኽረኩም እፈቱ።