44 ብገንዘብ ዝተዓደገ ባርያ እንተሃለወ ግና፥ ምስ ገረዝካዮ ኻብኡ ይብላዕ።
ኣብርሃም ድማ ንወዱ እስማኤልን ነቶም ኣብ ቤቱ ዝተወለዱን፥ ኵሎም ብገንዘቡ ዝተዓደጉን፥ ካብ ቤተሰቡ ዅሉ ተባዕታይ ዝኾነ ወሲዱ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ገረዞም።
እቲ ኻህን ብገንዘቡ ዓዲጉ ባርያ እንተ ኣጥረየ፥ ወይ ኣብ ገዛኡ ዝተወልደ ባርያ እንተ ሃልይዎ፥ እዚኣቶም ካብቲ ብፅሒቱ ይብልዑ።