23 እግዚኣብሄር ንግብፃውያን ክቐትል ክሓልፍ እዩ። ነቲ ደም ኣብ ላዕለዋይ ልዳትን፥ ኣብ ክልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ምስ ረአየ ኸዓ ነታ በሪ ኽሓልፋ እዩ፤ እቲ መጥፍኢ ናብ ገዛኹም ኣትዩ ኽወቕዐኩም ኣይሓድጎን።
እቲ መልኣኽ ንኢየሩሳሌም ከጥፍኣ ኢዱ ምስ ዘርግሐ፥ እግዚኣብሄር በቲ ጥፍኣት ሓዚኑ፥ ነቲ ህዝቢ ዘጥፍእ ዝነበረ መልኣኽ፥ “ደጊም ይኣኽለካ፤ ኢድካ መልስ” በሎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ጥቓ ዓውዲ ኦርና እቲ ኢያቡሳዊ ነበረ።
“ኣበይሞ ቝጥዓኻ ኽሳዕ ዝሓልፍ፥ እንተትስውረኒ፥ ኣብ መቓብር እንተትሓብአኒ፥ መዓልቲ ቘፀራ እንተትውስነለይ እሞ፥ ብድሕሪኡ እንተትዝክረኒ።
ሙሴ ድማ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ፍርቂ ለይቲ ብግብፂ ኽሓልፍ እየ።
ናይታ ዝበልዑላ ቤት ክልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ነቲ ላዕለዋይ ልዳትን ካብቲ ደም ወሲዶም ይቕብእዎ።
ኦ ህዝበይ ነዓ፤ ናብ ገዛኻ እቶ፤ ማዕፆኻውን ብውሽጢ ዕፆ፤ ቍጥዓ ኽሳዕ ዝሓልፍ ንቑሩብ ጊዜ ተሓባእ።
መልኣኽ እግዚኣብሄር ናብ ሰፈር ኣሶራውያን ከይዱ፥ ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ ሰብኡት ቀተለ። ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተስኡ፤ እንሆ ኣብ ኵሉ፥ ሬሳታት ፀንሕዎም።
እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ብማእኸል ከተማ፥ ብማእኸል ኢየሩሳሌም ሕለፍ እሞ፥ ነቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእኸላ ዝግበር ዘሎ ርኽሰት፥ ዝጕህዩን ዝትክዙን፥ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ግበረሎም” በሎ።
ካብ መቕደሰይ ጀሚርኩም ንኣረጋውያንን ነጕባዝን ንጐራዙን ንቘልዑን ንኣንስትን ቅተሉ፤ ኣፅንቱ፤ ነቶም ማሕተም ዘለዎም ግና ኣይትቕረብዎም” በሎም። ንሳቶም ከዓ በቶም ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ዘለዉ ኣረጋውያን ጀመሩ።
ከምኡውን ከምቲ ገሊኣቶም ዘዕረምረሙ እሞ፥ በቲ ዘጥፍእ ከም ዝጠፍኡ፥ ኣይነዕረምርም።
እቲ በዅሪ ዝቐስፍ ዝነበረ ምእንቲ ኸይቐርቦም፥ ብእምነት ስርዓት ፋሲካን ምንፃግ ደምን ገበረ።
ናብቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ማእኸላይ መተዓረቒ ዝኾነ ኢየሱስን፥ ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል ብዝበለፀ ዝዛረብ፥ ምንዛሕ ደምን ኢኹም በፂሕኹም ዘለኹም።
“ነቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽና፥ ኣብ ገግምባሮም ማሕተም ክሳዕ እንገብረሎም፥ ንምድሪ ወይ ንባሕሪ ወይ ነእዋም፥ ኣይትጕድእዎም” በሎም።
ነቲ ኣንበጣውን “ነቶም ኣብ ግምባሮም፥ ማሕተም እግዚኣብሄር ዘይብሎም ሰባት ጥራሕ ደኣ እምበር፥ ኣብ ምድሪ ንዘሎስ፥ ንሳዕሪ ወይ ንዅሉ ዝለምለመ፥ ወይ ነእዋም ኣይትጕድኣዮም” ተብሂሉ ተነገሮ።