22 ዕትሪ ስምዕዛ ውሰዱ፤ ኣብቲ ኣብ ሒላብ ዘሎ ደም ከዓ ጥምዕዎ፤ ነቲ ላዕለዋይ ድርኵዂትን ንኽልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን፥ በቲ ኣብ ሒላብ ዘሎ ደም ልኸይዎ። ክሳዕ ንግሆ ድማ ኻባኻትኩም ሓደ ሰብ እኳ ኻብ ገዛኡ ኣይውፃእ።
ብስምዕዛ ንፀገኒ ኽነፅህ ድማ እየ፤ ሕፀበኒ፤ ካብ በረድ ከዓ ኽፅዕዱ እየ።
ናይታ ዝበልዑላ ቤት ክልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ነቲ ላዕለዋይ ልዳትን ካብቲ ደም ወሲዶም ይቕብእዎ።
ኦ ህዝበይ ነዓ፤ ናብ ገዛኻ እቶ፤ ማዕፆኻውን ብውሽጢ ዕፆ፤ ቍጥዓ ኽሳዕ ዝሓልፍ ንቑሩብ ጊዜ ተሓባእ።
ከም ሕጊ ንፁህ ዝኾነ ሰብ ድማ ስምዕዛ ይውሰድ እሞ፥ ኣብቲ ማይ ጠሚዑ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳንን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቑሑን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባትን ኣብ ልዕሊ እቲ ንዓፅሚ ወይ ነቲ ዝተቐትለ ወይ ንዝሞተ ወይ ንመቓብር ዝነኽአን ይንፀግ።
ናይ ምስጋና መዝሙር ምስ ዘመሩ፥ ናብ ደብረ ዘይት ደየቡ።
እቲ በዅሪ ዝቐስፍ ዝነበረ ምእንቲ ኸይቐርቦም፥ ብእምነት ስርዓት ፋሲካን ምንፃግ ደምን ገበረ።
ናብቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ማእኸላይ መተዓረቒ ዝኾነ ኢየሱስን፥ ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል ብዝበለፀ ዝዛረብ፥ ምንዛሕ ደምን ኢኹም በፂሕኹም ዘለኹም።
ነታ ቐዳመይቲ ኺዳንውን፥ ናይ ኣገልግሎት ስርዓትን ምድራዊ መቕደስን ነበራ።
ደም እቲ ብዘለኣለማዊ መንፈስ ገይሩ፥ ንባዕሉ ብዘይ ነቐፋ፥ ንእግዚኣብሄር ዘቕረበ ክርስቶስ ግዳ፥ ነቲ ህያው እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽነገልግል፥ ንሕሊናና ኻብቲ ሞት ዘስዕብ ግብሪ፥ ክንደይ ኣብሊፁ ዘየንፅሆ!
ሙሴ ድማ፥ ነቲ ትእዛዝ ብምሉኡ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ምስ ነገሮም፥ ደም ዝራብዓትን ኣጣልን ምስ ማይ ሓዊሱ፥ ብቐይሕ ፀጕሪ በጊዕን፥ ብቘፅሊ ስምዕዛን ገይሩ፥ “እግዚኣብሄር ክትሕልውዎ ዝኣዘዘኩም፥ ብደም ዝተሰርዐ ኺዳን እዙይ እዩ” እናበለ፥ ነቲ መፅሓፍን ነቶም ህዝብን ነፀገሎም።
ኵሉ ካብ ማዕፆ ገዛኺ ንደገ ዝወፀ፥ ደሙ ኣብ ርእሱ እዩ፤ ንሕና ግና ንፁሃን ኢና። ንዝኾነ ኻብቶም ምሳኺ ኣብ ገዛኺ ዘለዉ እንተ ነኺእና ግና፥ ደሞም ኣብ ርእስና ይኹን።
እግዚኣብሄር ኣብ፥ ኣቐዲሙ ብዝወሰኖ ዝሓረየኩም፥ ንኢየሱስ ክርስቶስ እዙዛት ክትኮኑን፥ ብምንዛሕ ደሙ ኸዓ፥ ምእንቲ ኽትነፅሁን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ንዝተቐደስኩም፥ ፀጋን ሰላምን ይብዝሐልኩም።