2 “እዛ ወርሒ እዚኣ ንኣኻትኩም፥ ናይ ዓመት መጀመርታ ወርሒ ትኹንኩም።
ኣርጤክስስ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመቱ፥ ብቐዳመይቲ ወርሒ፥ ብወርሒ ኒሳን፥ መዓልትን ወርሕን ክፈልጡ ኣብ ቅድሚ ሃማ ፉር፥ ዝተብሃለ ዕፃ የውድቑ ነበሩ። እቲ ዕፃ ኸዓ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ ኣብ ወርሒ ኣዳር በፅሐ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣብ ምድሪ ግብፂ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦም፦
በታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ካብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ምሸት፥ ክሳዕ መበል ዕስራን ሓደን መዓልቲ ምሸት ቅጫ ብልዑ።
ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል ከዓ ኸምዙይ ኢልኩም ንገርዎ፦ ብዓስረይቲ መዓልቲ ናይዛ ወርሒ እዚኣ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣቦ ስድራ፥ ነንቤት ሓደ በጊዕ ይውሰድ።
ሙሴ ድማ ነቶም ህዝቢ “እግዚኣብሄር፥ ብሓያል ኢድ ካብ ግብፂ ኣውፅኢኩም እዩ እሞ፥ ነዛ ኻብ ምድሪ ባርነት ዝወፃእኹምላ መዓልቲ ዘክርዋ፤ ዝበዅዐ፥ ከቶ ኣይትብልዑ።
ንስኻትኩም ሎሚ ብወርሒ ኣቢብ ትወፁ ኣለኹም።
“በቲ ምዱብ እዋን፥ ብወርሒ ኣቢብ፥ ካብ ግብፂ በዛ ወርሒ እዚኣ ኢኻ ዝወፃእኻ እሞ፥ በዓል ቅጫ ኣብዕል፤ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብላዕ። “ጥራሕ ኢድካ፥ ኣብ ቅድመይ ኣይትረአ።
“ንበዓል ቅጫ ሓልውዎ። ካብ ግብፂ ብወርሒ ኣቢብ ወፂእኹም ኢኹም እሞ፥ በዝ ምዱብ ወርሒ እዙይ ከምቲ ዝኣዘዝኩኹም ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ።”
ኣብታ ኻልአይቲ ዓመት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ እቲ ድንኳን ተተኽለ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፥ ካብታ ወርሒውን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፥ ንስኻ ጐደሎ ዘይብሉ ዝራብዕ ክትወስድ ኢኻ እሞ፥ ነታ መቕደስ ክተንፅሃ ኢኻ።
“በታ መጀመርታ ወርሒ ኻብታ ወርሒ፥ ከዓ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ፥ ፋሲካ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ይኹነልኩም፤ ቅጫውን ክትበልዑ ኢኹም።
ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒ ኸዓ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ፥ ክመሲ እንተሎ፥ ፋሲካይ ፋሲካ እግዚኣብሄር እዩ።
ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ፋሲካ እግዚኣብሄር እዩ።
“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ወርሒ ኣቢብ ካብ ግብፂ ብለይቲ ኣውፂኡኩም እዩ እሞ፥ ንወርሒ ኣቢብ ሓልዉ፤ ፋሲካ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኣብዕሉ።