15 “ንሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ኽትበልዑ ኢኹም። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነቲ ብዅዕ ካብ ኣባይትኹም ክተውፅእዎ ኢኹም። ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ዝበዅዐ ዝበልዕ ሰብ ከዓ ኻብ ህዝቢ እስራኤል ተፈልዩ ይወገድ።
ዘይተገረዘ ዅሉ ተባዕታይ፥ ስጋ ቝልፈቱ ዘይተገረዘ፥ እታ ነፍሲ እቲኣ፥ ኪዳነይ ኣፍሪሳ እያ እሞ፥ ካብ ህዝባ ተፈልያ ትጥፋእ” በሎ።
እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተረኽቡ ደቂ እስራኤል ድማ ብዓብዪ ሓጐስ፥ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ቅጫ ኣብዓሉ። ሌዋውያንን ካህናትን ድማ በብመዓልቱ ብመሳርሒ ሙዚቃ ንእግዚኣብሄር መዝሙር እናዘመሩ የመስግኑ ነበሩ።
እግዚኣብሄር፥ ቤት ኣምላኽ እስራኤል፥ ንምስራሕ ኣእዳዎም ከፅንዕ ኢሉ፥ ንልቢ ንጉስ ኣሶር ናብኣቶም ብምምላሱ ኣሐጒስዎም እዩ እሞ፥ በዓል ቅጫ ሸውዓተ መዓልቲ ብሓጐስ ኣኽበሩ።
ነቲ ስጋኡ ድማ ብሓዊ ጠቢሶም ብቕጫን መሪር ሓምልን ገይሮም በታ ለይቲ እቲኣ ይብልዕዎ።
ሙሴ ድማ ነቶም ህዝቢ “እግዚኣብሄር፥ ብሓያል ኢድ ካብ ግብፂ ኣውፅኢኩም እዩ እሞ፥ ነዛ ኻብ ምድሪ ባርነት ዝወፃእኹምላ መዓልቲ ዘክርዋ፤ ዝበዅዐ፥ ከቶ ኣይትብልዑ።
“በቲ ምዱብ እዋን፥ ብወርሒ ኣቢብ፥ ካብ ግብፂ በዛ ወርሒ እዚኣ ኢኻ ዝወፃእኻ እሞ፥ በዓል ቅጫ ኣብዕል፤ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብላዕ። “ጥራሕ ኢድካ፥ ኣብ ቅድመይ ኣይትረአ።
እቲ ኸምኡ ዝበለ ቕብኢ ዝገበረን፥ እቲ ኻህን ንዘይኮነ ኻልእ ሰብ ካብኡ ዝለኸየን፥ ካብ ህዝቡ ይወገድ።”
ንኸምዙይ ዝመሰለ ኽዕጠኖ ኢሉ ኸምኡ ዝበለ ዕጣን ዝገብር ካብ ህዝቡ ይወገድ።”
“ንኣኻትኩም ቅድስቲ እያ እሞ፥ ንሰንበት ኣኽብርዋ። ንኣኣ ዘርከሰ ይቀተል፤ ኵሉ ብኣኣ ዝኾነ ስራሕ ዝሰርሐ ኸዓ ኻብ ህዝቡ ይወገድ።
“ንበዓል ቅጫ ሓልውዎ። ካብ ግብፂ ብወርሒ ኣቢብ ወፂእኹም ኢኹም እሞ፥ በዝ ምዱብ ወርሒ እዙይ ከምቲ ዝኣዘዝኩኹም ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ።”
“ንደም መስዋእተይ ምስ ዝበዅዐ እንጀራ ኣይትሰውኡ፤ ካብቲ ንበዓል ፋሲካ ዝተሓርደ መስዋእቲ ድማ ኽሳዕ ንግሆ ኣይሕደር።”
ዝኾነ ሰብ፥ ካብ ቤት እስራኤል ወይ ካብቶም ኣብ መንጎኣቶም ዝነብሩ ጓኖት፥ ደም እንተ በልዐ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ደም ዝበልዐ ሰብ ገፀይ ከኽብደሉ እየ። ካብ ማእኸል ህዝቡውን ከጥፍኦ እየ።
ናይ ኵሉ ስጋ ህይወትን ደሙን ሓደ እዩሞ፥ ስለዙይ ንደቂ እስራኤል ደም ዘለዎ ስጋ ኣይትብልዑ በልክዎም። ናይ ኵሉ ስጋ ህይወት፥ ደሙ እዩ እሞ፥ ዝበልዖ ዅሉ ኽጠፍእ እዩ።
ነዙይ ዝገብር ዝኾነ ይኹን ሰብ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ቍርባን እንተምፀአ እኳ፥ እግዚኣብሄር ካብ ድንኳን ያእቆብ ከወግዶ እዩ።
ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ወርሒ እቲኣ ድማ በዓል ይኹን። ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ።
ግና ዝኾነ ሰብ ንፁህ እንተሎ፥ መገሻውን ዘይከደ እንተሎ፥ ፋሲካ እንተ ዘየብዓለ፥ መባእ እግዚኣብሄር በቲ ምዱብ ጊዜ ስለ ዘየቕረበ፥ ካብ ህዝቡ ይፈለ። እቲ ሰብ እቱይ ሓጢኣቱ ኽፀውር እዩ።
ንሳቶም ድማ ኢየሱስ ተጠንቀቑ ዝበሎም ካብ ትምህርቲ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ደኣ እምበር፥ ካብ ማይ ብሒቝ እንጀራ ኸም ዘይኮነ ሽዑ ኣስተውዓሉ።
ኣእላፋት ህዝቢ፥ ንስንሳቶም ክሳዕ ዝፀቓቐጡ ናብኡ ምስ ተኣከቡ፥ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ “ካብ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያን፥ ንሱውን ካብ ግብዝና፥ ርእስኹም ሓልዉ።
ነተን በዓላት ኣሕሊፎም፥ ናብ ዓዶም ክምለሱ እንተለዉ፥ ህፃን ኢየሱስ ኣብ ኢየሩሳሌም ተረፈ፤ ዮሴፍን ማርያምን ግና ኣይፈለጡን።
እዙይ ንኣይሁድ ከም ዘሐጐሶም ምስ ረአየ ድማ፥ ኣስዒቡ ንጴጥሮስ ሓዞ፤ ሽዑ ድማ ቕነ በዓል ቅጫ ነበረ።
እቶም ዝህውኹኹም ሰባት፥ እንተ ደልዮም ይሰለቡ።
ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ዘይበዅዐ፥ ናይ መከራ ቕጫ ምስኡ ብልዑ። ካብ ግብፂ ብህፁፅ ወፂእኹም ኢኹም እሞ፥ ነታ ኻብ ግብፂ ዝወፃእኹምላ መዓልቲ ምሉእ ዕድሜኹም ምእንቲ ኽትዝክርዋ፥ ዝበዅዐ ነገር ምስኡ ኣይትብልዑ።
“ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንስሙ መፀውዒ ዝሓረያ ቦታ እምበር፥ ኣብ ዝኾነ ኻልእ ከተማ በጊዕ ፋሲካ ኽትሓርዱ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ኣብኣ በታ ኻብ ግብፂ ዝወፃእኹምላ ጊዜ፥ ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ፥ ሕረድዎ።
ሽዱሽተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ፤ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ ጉባኤ ይኹን፤ ዝኾነ ስራሕ ከዓ ኣይትስርሑ።