13 እቲ ደም ኣበየንአን ኣባይቲ ኸም ዘለኹም ምልክት ክኾነኩም እዩ፤ ኣነ ኸዓ ነቲ ደም ምስ ረአኹ ኽሓልፈኩም እየ። ንምድሪ ግብፂ ኽወቕዓ እንተለኹ ድማ፥ እቲ ዝቐትል መዓት ኣይነኽአኩምን እዩ።
ስጋ ቝልፈትኩም ግረዙ። እዙይ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻትኩምን ዘሎ ኺዳን ምልክት ክኸውን እዩ።
ክትበልዕዎ እንተለኹም ከዓ ሕቘኹም ተዓጢቕኩም፥ ኣሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩም ኣእቲኹም፥ ኣብትርትኹም ኣብ ኣእዳውኩም ሒዝኩም ቀልጢፍኩም ብልዕዎ። እዙይ ንእግዚኣብሄር በዓል ፋሲካ እዩ።
እግዚኣብሄር ንግብፃውያን ክቐትል ክሓልፍ እዩ። ነቲ ደም ኣብ ላዕለዋይ ልዳትን፥ ኣብ ክልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ምስ ረአየ ኸዓ ነታ በሪ ኽሓልፋ እዩ፤ እቲ መጥፍኢ ናብ ገዛኹም ኣትዩ ኽወቕዐኩም ኣይሓድጎን።
ናይታ ዝበልዑላ ቤት ክልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ነቲ ላዕለዋይ ልዳትን ካብቲ ደም ወሲዶም ይቕብእዎ።
እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ብማእኸል ከተማ፥ ብማእኸል ኢየሩሳሌም ሕለፍ እሞ፥ ነቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእኸላ ዝግበር ዘሎ ርኽሰት፥ ዝጕህዩን ዝትክዙን፥ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ግበረሎም” በሎ።
እቲ በዅሪ ዝቐስፍ ዝነበረ ምእንቲ ኸይቐርቦም፥ ብእምነት ስርዓት ፋሲካን ምንፃግ ደምን ገበረ።
ሕዚ ኸዓ በይዛኻትኩም፥ ኣነ ፅቡቕ ገይረልኩም እየ እሞ፥ ንስኻትኩም ድማ ንቤት ኣቦይ ምሕረት ክትገብሩላ፥ ነቦይን ንኖይን ነሕዋተይን ነሓተይን ንዅሎም ሰቦምን ብህይወት ክትሓድግዎም፥ ካብ ሞት እውን ክተድሕኑና ብእግዚኣብሄር መሓሉለይ፤ ዘተኣማምን ምልክት ከዓ ሃቡኒ” በለቶም።
ንስኺ ድማ ኸምዙይ ግበሪ፦ ንሕና ናብዛ ሃገር ክንኣቱ እንተለና፥ ነዝ ቐይሕ ገመድ እዙይ ኣብቲ ብእኡ ዘውረድክና መስኮት ኣንጠልጥልዮ። ነቦኽን ንኖኽን ነሕዋትክን ንዅሉ ቤት ኣቦኺ እውን ናብዙይ ናብ ገዛኺ ኣክቢዮም።
ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፥ ኣብ ብርሃን እንተ ነበርና ግና፥ ንስንሳትና ሕብረት ኣለና፤ ደም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስውን፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንፅሀና እዩ።