Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 11:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 ሙሴ ኸዓ ኣስዒቡ “ኵሎም እዞም ኣገልገልትኻ ናባይ ክመፁ እዮም፤ ኣብ ቅድመይ ሰጊዶም ድማ፥ ‘ንስኻን እቲ ዝስዕበካ ዅሉ ህዝብን ውፃእ’ ኢሎም ክልምኑኒ እዮም። ሽዑ ኸዓ ኽንወፅእ ኢና” በለ። ብድሕሪኡ ሙሴ ብቝጥዓ ነዲዱ ኻብ ፈርዖን ወፀ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 11:8
18 Referencias Cruzadas  

ወልደ ኣዴር ድማ “ነቲ ዝኽተለኒ ህዝቢ ሓመድ ሰማርያ ዕዅቲ ዕዅቲ እንተ በፂሕዎምስ ኣማልኽቲ እዙይ ይግበሩኒ፤ እዙይውን ይወስኹኒ” ኢሉ ለኣኸሉ።


ንጉስ እስራኤልን ንጉስ ይሁዳን ንጉስ ኤዶምያስን ድማ ኸዱ፥ መንገዲ ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ተጕዓዙ ኸዓ፥ ንሰራዊቶምን ነተን እንስሳን ማይ ሰኣኑ።


ኣነ ኸዓ ኣውያቶምን ነዝ ቃል እዙይን ምስ ሰማዕኹ፥ የመና ተቘጣዕኹ።


ኦ ጐይታ፥ ብቝጥዓኻ ኣይትቕሰፈኒ፤ ብመዓትካውን ኣይትገስፀኒ።


ሙሴ ኸዓ መሊሱ “ከምቲ ዝበልካዮ ይኹን። ደጊም ገፅካ ኣይርእን እየ” በሎ።


ነገስታት ከም መዕበይቲ ኣቦታትኪ፥ እተጌታቶም ድማ መጕዚታትኪ ክኾኑ እዮም፤ ብግምባሮም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ክሰግዱልኪ፥ በነንታ እግርኺውን ክልሕሱ እዮም። ንስኺ ኸዓ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ፥ ክትፈልጢ ኢኺ፤ እቶም ንኣይ ተኣማሚኖም ዝፅበዩኒ ድማ ኣይሓፍሩን።”


እቶም ዘጨንቑኺ፥ ናይ ባዕልቶም ስጋ ኸም ዝበልዑ ኽገብሮም እየ፤ ወይኒ ሰቲኻ ኸም ዝስከር፥ ናይ ባዕልቶም ደም ሰትዮም ክሰኽሩ ኽገብሮም እየ። ኵሉ ሰብ ድማ፥ ኣነ እግዚኣብሄር መድሓኒኽን ተቤዛዊኽን፥ እቲ ሓያል ናይ ያእቆብ ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጥ እዩ።”


እቲ መንፈስ ከዓ ኣልዒሉ ወሰደኒ፤ ኣነውን ብምረት፥ መንፈሰይ ተቘጢዑ ኸድኩ፤ ኢድ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕለይ በርቲዓ ነበረት።


ሽዑ ናቡከደነፆር ብሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን የመና ተቘጥዐ፤ ትርኢት ገፁውን ተለወጠ። ነቲ እቶን ካብቲ ዝነበሮ ሸውዓተ ኢድ ኣበርቲዖም ከንድድዎ ኣዘዘ።


ሙሴ፥ ኣብ ልዕሊ ገፅ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ትሕትና ዝመልኦ ሰብ ነበረ።


በቲ ትረት ልቦም ጕህዩ፥ ነቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ዅሎም፥ ብቝጥዓ ጠመቶም፤ ነቲ ሰብኣይ ከዓ “ኢድካ ዘርግሕ!” በሎ፤ ንሱ ድማ ዘርግሓ፤ እታ ኢዱውን ሓወየት።


ኵሎም ህዝብታት ድማ ‘ስለ ምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር እዚኣ ኸምዙይ ዝገበራ? ስለ ምንታይከ እግዚኣብሄር የመና ዝተቘጥዓ?’ ኽብሉ እዮም።


ብጥሜት ክምንምኑ እዮም፤ ብረስኒ ዓሶን ብመሪር ፌራን ክሃልቁ እዮም፤ ኣስናን ኣራዊት፥ ምስ ሕንዚ ተመን ክሰደሎም እየ።


ነቲ ዘይረአ ስለ ዝረአየ ፀንዐ፤ ንቝጥዓ ንጉስ እንተይፈርሐ ድማ፥ ብእምነት ንግብፂ ሓደጋ።


እንሆ፥ ካብቶም ማሕበር ሰይጣን ዝኾኑ፥ ኣይሁድ እንተይኮኑ፥ ሓስዮም “ኣይሁድ ኢና” ዝብሉ፥ መፂኦም ኣብ እግርኻ ወዲቖም፥ ከም ዝሰግዱልካ ኽገብሮም እየ። ኣነ ኸም ዘፍቅረካውን ከፍልጦም እየ።


ሽዑ ባርቅ ንዛብሎንን ንንፍታሌምን ናብ ቃዴስ ፀውዖም፤ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ከዓ ደድሕሪኡ ደየቡ፤ ዲቦራውን ምስኡ ደየበት።


ንሰብ ሱኮት ከዓ “ኣነ ደድሕሪ ዛብሄልን ስልማናን፥ ነገስታት ምድያም፥ ስዒበ ኣሳጕጎም ኣለኹ፤ እዞም ዝስዕቡኒ ዘለዉ ህዝቢ ድማ ደኺሞም እዮም እሞ፥ በይዛኻትኩም እንጀራ ሃብዎም” በሎም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos