Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 11:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 ኣብ ኵሎም ደቂ እስራኤል ግና፥ ኣብ ሰብ ኮነ ኣብ እንስሳ፥ ከልቢ እኳ መልሓሱ ኣየዋሳውሰሎምን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ግብፃውያንን ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልልይ ከም ዝገበርኩ ኸዓ በዙይ ክትፈልጡ ኢኹም’ ” በለ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 11:7
11 Referencias Cruzadas  

ስለዙይ ነቲ ምስኪን ተስፋ ኣለዎ፤ ክፍኣትውን ኣፋ ኽትዓፁ እያ።”


እንተ ዘይተመሊስኩም ግና፥ ሰይፉ ይስሕል፤ ቀስቱውን ገተረ፤ ኣዳለወውን።


ንሰለስተ መዓልቲ ንብፃዩ ኽርኢ፥ ወይ ካብ ምቕማጡ ኽትስእ ዝኸኣለ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ኣብቲ ዅሎም ደቂ እስራኤል ዝተቐመጥዎ ግና ብርሃን ነበረ።


እቶም ኣስማተኛታት ግብፂ ድማ ብስራዮም ከምኡ ገበሩ። ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።


እቶም ኣስማተኛታት ድማ ንፈርዖን “እዙይስ ኣፃብዕቲ እግዚኣብሄር እዩ” በልዎ፤ ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎውን ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።


“በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኸም ዘለኹ ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ ነታ ህዝበይ ዝነብሩላ ምድሪ ጌሴም ክፈልያ እየ፤ ዕስለ ፅንፅያ ዘይብላውን ክገብራ እየ።


ኣብታ ደቂ እስራኤል ዝነብርዋ ምድሪ ጌሴም ጥራሕ በረድ ኣይዘነመን።


እግዚኣብሄር ድማ ኣብ መንጎ ጥሪት እስራኤልን ኣብ መንጎ ጥሪት ግብፃውያንን ፍልልይ ክገብር እዩ፤ ካብ ጥሪት ደቂ እስራኤል ከዓ ሓንቲ እኳ ኣይትመውትን እያ።”


ንስኻትኩምውን ተመሊስኩም፥ ነቲ ኣብ መንጎ ፃድቕን ሓጥእን፥ ኣብ መንጎ እቲ ንእግዚኣብሄር ዘገልግልን ዘየገልግልን ክትፈልዩ ኢኹም” በለ።


ካብ ካልኦት ብሉፅ ዝገበረካ መን እዩ? ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣለካ? ዝተቐበልካ ኻብ ኮንካኸ፥ ስለ ምንታይ ከም ዘይተቐበልካ እትምካሕ?


ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ናብቲ ኢያሱ ዘለዎ ናብ ሰፈር ናብ ማቄዳ ብሰላም ተመለሰ። ንሓደ ኻብ ደቂ እስራኤል ደፊሩ ዝተዛረቦ ሓደ እኳ ኣይነበረን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos