Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 11:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 ኣብ ሃገር ግብፂ ዘሎ ኵሉ በዅሪ፥ ካብ በዅሪ እቲ ኣብ ዙፋን ዝቕመጥ ንጉስ ፈርዖን ክሳዕ በዅሪ እታ ኣብ እግሪ መጥሐን ዘላ ኣገልጋሊት ክሞቱ እዮም። ኵሉ በዅሪ እንስሳውን ክመውት እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 11:5
13 Referencias Cruzadas  

ንዅሉ በዅሪ ሃገሮም፥ ንዅሉ በዅሪ ሓይሎም ቀተለ።


ኣብ ግብፂ ኻብ በዅሪ ሰብ፥ ክሳዕ በኵሪ እንስሳ ቐተለ።


ንግብፂ ምስ በዅሮም ዝወቕዖም፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።


ንብዘሎ በዅሪ ግብፂ ቐተለ፤ ነቶም ናይ መጀመርታ ሓይሊ ፍረ ዝኾኑ፥ ኣብ ድንኳናት ካም ቀተሎም፤


“በዛ ለይቲ እዚኣ ብምድሪ ግብፂ ኽሓልፍ እየ፤ ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብፂ፥ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ኽቐትል እየ። ንዅሎም ኣማልኽቲ ግብፂ ኸዓ ኽቐፅዖም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።


ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ፥ እግዚኣብሄር ንዅሉ በዅሪ ምድሪ ግብፂ፥ ካብቲ ኣብ ዙፋኑ ዝቕመጥ በዅሪ ፈርዖን፥ ክሳዕ በዅሪ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ እሱር ቀተለ፤ ንዅሉ በዅሪ እንስሳ ድማ ወቕዐ።


ፈርዖን ክንከይድ ከይሰደና ልቡ ምስ ኣትረረ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ግብፂ ንዅሉ በዅሪ፥ ካብ በዅሪ ሰብ ክሳዕ በዅሪ እንስሳ ቐተለ። ስለዙይ ማህፀን እኖኡ ዝኸፈተ ዅሉ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እስውኦ፤ ካብ ደቅና ድማ በዅሪ ንዝኾነ ዅሉ እብዜዎ’ ትብሎ።


ምእንቲ ኸገልግለኒ ድማ ንወደይ ክኸይድ ስደዶ ኢለካ ነይረ፤ ንስኻ ግና ምስዳድ ኣበኻ። እንሆ እምበኣር ኣነ ንበዅሪ ወድኻ ኽቐትሎ እየ።”


መዲድ ሓዚ እሞ፥ ሕሩጭ ጠሓኒ፤ ጕልባብኪ ቕልዒ፤ ነቲ ወለል ዝብል ዘፈር ክዳንኪ ኣክቢ፤ ደናጉኺ ቐሊዕኺ ፈለግ ተሳገሪ።


ኣጕባዝ መጥሓን ተሰከሙ፤ ኣወዳት ቈልዑ ኸዓ፥ ዕንፀይቲ ተሰኪሞም ሰንከልከል በሉ።


ክልተ ኣንስቲ ኣብ መጥሓን ክጥሕና እየን፤ እታ ሓንቲ ኽትውሰድ፥ እታ ሓንቲ ድማ ክትሕደግ እያ።


እቲ በዅሪ ዝቐስፍ ዝነበረ ምእንቲ ኸይቐርቦም፥ ብእምነት ስርዓት ፋሲካን ምንፃግ ደምን ገበረ።


እቶም ፍልስጥኤማውያን ግና ሒዞም ኣዒንቱ ጐጥጐጥዎ። ኣብ ጋዛ ኣውሪዶም ድማ ብሞቕሕ ነሃስ ኣሰርዎ፤ ኣብቲ ቤት እሱራት ከዓ ይጥሕን ነበረ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos