3 እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ግብፃውያን ሞገስ ሃቦ። ሙሴውን ኣብ ሃገር ግብፂ፥ ኣብ ቅድሚ ኣገልገልቲ ፈርዖንን ኣብ ቅድሚ ህዝብን የመና ዓብዪ ሰብ ነበረ።
ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን እየ፤ ንስምካውን ከዕብዮ እየ፤ ንበረኸት ድማ ኽትከውን ኢኻ።
እግዚኣብሄር ምስ ዮሴፍ ነበረ፤ ምሕረቱውን ኣብዝሐሉ። ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ኸዓ ሞገስ ሃቦ።
ኣብ ኵሉ ዝኸድካዮ ኸዓ ምሳኻ ነበርኩ፤ ንዅሎም ፀላእትኻውን ካብ ቅድሜኻ ኣጥፋእኹዎም። ከም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ድማ ንስምካ ዓብዪ ኽገብሮ እየ።
መርዶክዮስ ልዕል ልዕል እናበለ ስለ ዝኸደ፥ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዓብዪ ኾይኑ ነበረ፤ ዝና መርዶክዮስውን ኣብ ኵለን ሃገራት ተሰምዐ።
ኣብ ቅድሚ እቶም ዝማረኽዎምውን፥ ሞገስ ሃቦም።
ደቂ እስራኤል ከዓ ኸምቲ ሙሴ ዝበሎም፥ ካብ ግብፃውያን “ብብሩርን ብወርቅን ዝተሰርሑ ኣቑሑን ክዳውንትን” ለመኑ።
እግዚኣብሄር ድማ ንህዝቡ ዅሉ ዝደለይዎ ኽህብዎም፥ ኣብ ቅድሚ ሰብ ግብፂ ሞገስ ሃቦም፤ ንሰብ ግብፂውን ዘመትዎም።
“ንኣኻትኩም ንህዝበይ ግና ኣብ ቅድሚ ግብፃውያን ሞገስ ክህበኩም እየ። ካብ ግብፂ ኽትወፁ እንተለኹም ከዓ ጥራሕ ኢድኩም ኣይትወፁን ኢኹም።
ደቂ እቶም ዝገፍዑኺ፥ ክሳዶም እናድነኑ ናባኺ ኽመፁ፥ እቶም ዝነዓቑኺ ዅሎም ድማ፥ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርኪ፥ ፍግም ኢሎም፥ ክሰግዱልኪ እዮም እሞ፥ ‘ፅዮን፥ ከተማ እግዚኣብሄር፥ ናይቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ’ ኢሎም ክፅውዑኺ እዮም።”
ሙሴ ድማ፥ ኵሉ ጥበብ ግብፃውያን ተምሃረ፤ ብቓሉን ብስርሑን ከዓ ብርቱዕ ኾነ።
ድሕሪኡ፥ ኣብ እስራኤል፥ ከም ሙሴ ዝበለ፥ ንእግዚኣብሄር ገፅ ንገፅ ዘዛረቦ ነቢይ ኣይተስአን።
ኣብ ግብፂ ኣብ ፈርዖንን፥ ኣብ ሹመኛታቱን ኣብ ዅላ ምድሩን ምልክትን ተኣምራትን ዝገበረ ኻልእ ነቢይ ኣይተስአን።
በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤል ልዕል ኣበሎ። ከምቲ ንሙሴ ዝፈርሕዎውን ዕድመ ልክዑ ፈርሕዎ።
እንሆ፥ ካብቶም ማሕበር ሰይጣን ዝኾኑ፥ ኣይሁድ እንተይኮኑ፥ ሓስዮም “ኣይሁድ ኢና” ዝብሉ፥ መፂኦም ኣብ እግርኻ ወዲቖም፥ ከም ዝሰግዱልካ ኽገብሮም እየ። ኣነ ኸም ዘፍቅረካውን ከፍልጦም እየ።