Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 11:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ሕዚ ኸዓ ነቶም ህዝቢ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ካብ ጐረቤቱ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ካብ ጐረቤታ፥ ብብሩርን ብወርቅን ዝተሰርሐ ኣቕሓ ኽልምኑ ኣብ ኣእዛኖም ንገሮም” በሎ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 11:2
16 Referencias Cruzadas  

ድሕሪዙይ እቲ ኣገልጋሊ፥ ሽልማት ወርቅን ብሩርን ክዳውንትን ኣውፂኡ ንርብቃ ሃባ። ንሓዋን ንኖኣን ድማ ኽቡር ውህብቶ ሃቦም።


ስለዙይ እግዚኣብሄር ጥሪት ኣቦኽን ኣግዲፉ ንኣይ ሃበኒ።


ምስ ወርቅን ብሩርን ኣውፅኦም፤ ኣብ ማእኸል ነገዳቶም ደዌ ኣይነበረን።


ምድርን ምልኣታን ናይ እግዚኣብሄር እያ፤ ዓለምን ኣብ ውሽጣ ዝነብሩ ዅሎምውን።


“ንኣኻትኩም ንህዝበይ ግና ኣብ ቅድሚ ግብፃውያን ሞገስ ክህበኩም እየ። ካብ ግብፂ ኽትወፁ እንተለኹም ከዓ ጥራሕ ኢድኩም ኣይትወፁን ኢኹም።


ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ፥ ካብ ጐረቤታን ካብታ ኣብ ገዛኣ እትነብርን ‘ኣቕሓ ብሩርን ወርቅን ክዳውንትን ትለምን።’ ነዙይ ኣብ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ግበርዎ፤ ከምዙይ ጌርኩም ንግብፃውያን ክትዘምትዎም ኢኹም።”


ኣነ ድማ ‘ወርቂ ዘለዎ ኣውፂኡ ይሃበኒ’ በልክዎም። ንሳቶም ከዓ ሃቡኒ፤ ኣነ ድማ ናብ ሓዊ ደርበኽዎ፤ እዝ ምራኽ እዙይ ከዓ ወፀ።”


ድሌት ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን መፂኦም፥ ቍልፍታትን ቀለበታት እዝንን ቀለበታት ኣፃብዕትን ኣምባራትን ኵሉ ኣቑሑ ወርቅን ሃቡ። ነፍሲ ወከፍ ንእግዚኣብሄር መባእ ወርቂ ኣቕረበ።


ፃድቕ ሰብ ንደቂ ደቁ የውርስ፤ ሃብቲ ሓጥእ ግና ንፃድቕ ይዕቈረሉ።


እቲ ብሩር ናተይ እዩ፤ እቲ ወርቂውን ናተይ እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።


ወይ ድማ ብገንዘበይ ዝደለኽዎ ኽገብርዶ ኣይግብአንን እዩ? ወይ ኣነ ለጋስ ስለ ዝኾንኩዶ ዓይንኻ ጠባን እዩ?’ ኢሉ መለሰሉ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos