Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 11:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 ሙሴን ኣሮንን ከዓ ነዝ ዅሉ ተኣምራት እዙይ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ገበርዎ። እግዚኣብሄር ግና ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ንሱ ኸዓ ደቂ እስራኤል ካብ ሃገሩ ኸይኸዱ ኸልከሎም።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 11:10
17 Referencias Cruzadas  

ንሱ ልቡ ጥበበኛ፥ ሓይሉውን ዓብዪ እዩ፤ ተቓዊምዎስ ዝሰለጦ መን እዩ?


እግዚኣብሄር ግና ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ንሱ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ክኸዱ ኣይሰደዶምን።


እግዚኣብሄር ግና ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ንሱ ኸዓ ኽሰዶም ኣይፈተወን።


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣብ ምድሪ ግብፂ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦም፦


ግና ብሓያል ኢድ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ንጉስ ግብፂ ኽትከዱ ኸም ዘይሰደኩም እፈልጥ እየ።


እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ናብ ግብፂ ምስ ተመለስካ፥ ነተን ክትገብረን ኢለ ዝሃብኩኻ ዅለን ተኣምራት፥ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ፥ ክትገብረን ከም ዘለካ ፍለጥ። ኣነ ግና ንልቢ እቲ ንጉስ ከትርሮ እየ፤ ንሱ ኸዓ ነቲ ህዝቢ ኣይሰዶን እዩ።


ኣነ ግና ንልቢ ፈርዖን ከትርሮ እየ። ኣብ ምድሪ ግብፂ ድማ ምልክታተይን ተኣምራተይን ከብዝሕ እየ።


እግዚኣብሄር ድማ ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝበሎ ድማ ኣይሰምዖምን።


ኦ እግዚኣብሄር! ካብ መንገድኻ ኽነግልስ፥ ከይንፈርሐካ ኸዓ፥ ልብና ኽተርር ዝሓደግካና ስለ ምንታይ ኢኻ? ስለ ባሮትካ፥ ስለ ነገድ ርስትኻ ኢልካ ተመለስ።


እምበኣር፥ ንዝደለዮ ይምሕሮ፤ ንዝደለዮ ድማ የሀልኾ እዩ።


ከምኡ ድማ እግዚኣብሄር ቍጥዓኡ ኸርኢ ሓይሉውን ከፍልጥ እንተ ደልዩ፥ ትዕግስቱ ምስ ኣርኣየ፥ ነቶም ንጥፍኣት ዝተዳለዉ፥ ናይ ጥፍኣት መልእኽተኛታት የምፅእ።


ሴዎን ንጉስ ሓሴቦን ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኸምዝ ናይ ሎሚ ምእንቲ ኣብ ኢድና ኽህበና፥ ንመንፈሱ ኣትረሮ፤ ንልቡ ኸዓ ተፃራሪ ገበሮ እሞ ኸሕልፈና ኣይደለየን።


ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ምእንቲ ፈፂሙ ኸጥፍኦም እምበር ምሕረት ምእንቲ ኸይረኽቡ፥ ምስ ደቂ እስራኤል ክዋግኡ እግዚኣብሄር ልቦም ኣትረረ።


ከምቲ ግብፃውያንን ፈርዖንን ልቦም ዘትረሩ፥ ስለ ምንታይ ልብኹም ተትርሩ ኣለኹም? እግዚኣብሄር ንኣኣቶም ብብርቱዕ ምስ ቀፅዖምዶ ኣይኮነን ክኸዱ ዝሓደግዎም እሞ፥ ንሳቶም ድማ ዝኸዱ?


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos