1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣብ ልዕሊ ፈርዖንን ኣብ ልዕሊ ግብፅን ገና ሓደ መዓት ከምፅእ እየ። ብድሕሪኡ ፈርዖን ካብዙይ ክትወፁ ኽሰደኩም እዩ። ክሰደኩም ጥራሕ ዘይኮነ ውፁለይ ኢሉውን ኽሰጐኩም እዩ።
ነቶም ዝገዝእዎም ህዝቢ ግና ኣነ ኽፈርዶም እየ፤ ብድሕሪኡ ብዙሕ ጥሪት ሒዞም ክወፁ እዮም።
ኣብ ልዕለይ ሓደስቲ መሰኻኽር መቖምካለይ፥ ንቝጥዓኻ ኣብ ልዕለይ መብዛሕኻዮ፤ ጭፍራ ኣብ ልዕሊ ጭፍራ ምወሰኽካለይ።”
ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ፥ እግዚኣብሄር ንዅሉ በዅሪ ምድሪ ግብፂ፥ ካብቲ ኣብ ዙፋኑ ዝቕመጥ በዅሪ ፈርዖን፥ ክሳዕ በዅሪ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ እሱር ቀተለ፤ ንዅሉ በዅሪ እንስሳ ድማ ወቕዐ።
ስለዙይ ኢደይ ክዝርግሕ እየ፤ በቲ ኣብ ማእኸላ ዝገብሮ ተኣምራት ንግብፂ ኽወቕዓ እየ፤ ብድሕሪኡ ኽሰደኩም እዩ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣብ ልዕሊ ፈርዖን ዝገብሮ፥ ሕዚ ኽትርኢ ኢኻ። ብሓያል ኢድ ክሰዶም እዩ። እወ፥ ብሓያል ኢድ ካብ ምድሩ ኣውፂኡ ኽሰጎም እዩ” በሎ።
እንተ ዘይኮነ፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ኸማይ ዝበለ ኸም ዘየለ ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ በዛ ጊዜ እዚኣ ዅሉ ቝጥዓይ ኣብ ልዕሌኻን ኣብ ልዕሊ መኳንንትኻን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻን ክሰድድ እየ።
እንተ ተፃሪርኩምኒ፥ ክትሰምዑኒ እውን እንተ ዘይፈቲኹም፥ ከምቲ ሓጢኣትኩም መሊሰ ሸውዓተ ዕፅፊ ገይረ ኽቐፅዐኩም እየ።
ወይ ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንታኻትኩም ኣብ ግብፂ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ዝገበሮ፥ መፂኡ ብፈተናን ብምልክትን ብተኣምራትን ብውግእን ብሓያል ኢድን ብብርቱዕ ቕልፅምን ብዓብዪ ግርማን፥ ካብ ማእኸል ካልእ ህዝቢ ንባዕሉ ኽገብሮ ኢሉ ዝወሰዶ፥ ከምቲ ዝገበሮ ኽገብር ዝፈተነ ኻልእ ኣምላኽዶ ኣሎ?
እቶም ሰባት ድማ፥ ብብርቱዕ ሃሩር ነደዱ፤ ንስም እቲ ኣብዘን መቕሰፍትታት እዚኣተን፥ ስልጣን ንዘለዎ እግዚኣብሄር ፀረፍዎ፤ ምንሳሕን፥ ንእኡ ኽብሪ ምሃብን ከዓ ኣበዩ።
እቶም ፍልስጥኤማውያን ከዓ “እቲ መስዋእቲ በደል እንመልሰሉኸ ኸመይ ዝበለ እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎም። ንሳቶም ድማ ኸምዙይ በልዎም፦ “እቲ መዓት ንዅልኻትኩምን ንሹመኛታትኩምን ሓደ ዓይነት እዩ እሞ፥ ከም ቍፅሪ እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ብወርቂ ዝተሰርሐ ሓሙሽተ ምስሊ ሕበጥን፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ ሓሙሽተ ምስሊ ኣናፁን ኣቕርቡ።