7 መኳንንቱ ድማ ንፈርዖን “እዝ ሰብኣይ እዙይ ክሳዕ መኣዝ እዩ ዕንቅፋት ዝኾነና? ነዞም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ከገልግሉ ስደዶም። ግብፂ ኸም ዝጠፍአትዶ ገና ኣይፈለጥካን ኢኻ?” በልዎ።
ብሰንኪ ኽፍኣት እቶም ኣብኣ ዝነብሩ፥ ነታ ፍርያም ምድሪ ጨው ገበራ።
እቶም ግብፃውያን ድማ “ኵልና ኽንመውት ኢና” ኢሎም ስለ ዝፈርሑ ነቶም እስራኤላውያን “ካብዛ ምድሪ ቐልጢፍኩም ውፁ” ኢሎም ሃወኽዎም።
ንኣማልኽቶም እንተ ደኣ ኣምሊኽካ፥ እዙይ ንኣኻ መፈንጠር ክኾነካ እዩ እሞ፥ ከየስሕቱኻ እሞ ንኣይ ከም እትብድል ከይገብሩኻ፥ ኣብ ምድርኻ ኽነብሩ ኣይትፍቀደሎም።”
ኢደይ ዘርጊሐ ንደቂ እስራኤል ብሓይለይ ካብ ማእኸሎም ምስ ኣውፃእኹ፥ ሽዑ ግብፃውያን ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም።”
እቶም ኣስማተኛታት ድማ ንፈርዖን “እዙይስ ኣፃብዕቲ እግዚኣብሄር እዩ” በልዎ፤ ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎውን ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።
ኣብ ገበን ክፉእ ሰብ መፃወዲያ ኣሎ፤ ፃድቕ ግና ዕልል ይብል፤ ይሕጐስውን።
ካብ ሞት ዝመርር ነገርውን ረኸብኩ፤ እዚኣ መርበብ እትመስል፥ ልባ ኸዓ መፈንጠር፥ ኣእዳዋ ድማ መቝሕ ዝኾነት ሰበይቲ እያ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰናይ ዝኾነ ሰብ ካብኣ የምልጥ፤ ሓጥእ ግና ብኣኣ ይተሓዝ።
ንምድርኻ ስለ ዘዕኖኻያ፥ ንህዝብኻ ኸዓ ስለ ዝቐተልካዮም፥ ኣብ መቓብር ምስኣቶም ኣይትሕወስን ኢኻ፤ ዘርኢ ኽፉኣት ንዘለኣለም ኣይፅዋዕን።
ኣታ ቕልፅም እግዚኣብሄር፥ ተልዓል፤ ተልዓል፤ ሓይልኻ ልበስ፤ ከምቲ ብዝሓለፉ ዘመናት፥ ብጥንቲ ትውልድታት ዝገበርካዮ፥ ተልዓል። ረዓብ ንዝበሃል ኣራዊት ዝቘረፅካዮ፥ ነቲ ዓብዪ ገበልውን ዝወጋእኻዮ፥ ንስኻዶ ኣይኮንካን?
ሞኣብ ጠፊኣ እያ። ደቃውን ኣውያት የስምዑ ኣለዉ።
ንሳ ብድንገት ወዲቓ ተሰባበረት። ብኸዩላ፤ ምናልባሽ እንተ ሓወየት ከዓ ንቝስላ ፈውሲ ኣምፅኡላ።
ብመዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ብሩሮምን ወርቆምን ከድሕኖም ኣይኽእልን፤ ንሱ ኸዓ ንዅሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ቐልጢፉ ኽውድኦም እዩ፤ ግናኸ ዅላ እታ ምድሪ ብሓዊ ቕንኣቱ ኽትነድድ እያ።
እዙይ ዝብለኩም ዘለኹ፥ ልብኹም እንተይተኸፍለ፥ ንእግዚኣብሄር ብግቡእ ምእንቲ ኽተገልግሉ፥ ንረብሓኹም ኢለ እየ እምበር፥ ከኽብደልኩም ኢለ ኣይኮንኩን።
ካብዛ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ፅብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ እትፈልሱ፥ ንኣኻትኩም መሐንኰልን መፃወድያን፥ ንእንግዳዕኹም መግረፊ፥ ነዒንትኹም ከዓ እሾዅ ክኾኑኹም እዮም እምበር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ደጊም ካብ ቅድሜኹም ከም ዘየውፅኦም፥ ብርግፅ ፍለጡ።
ሳኦል ድማ “ፍልስጥኤማውያን ምእንቲ ኽቐትልዎ መፈንጠር ክትኮኖ፥ ንኣኣ ኽህቦ እየ” ኢሉ ሓሰበ። ስለዙይ ሳኦል ንዳዊት ካልኣይ ጊዜ “ሎሚውን ሰብኣይ ጓለይ ክትከውን ኢኻ” በሎ።
ቅፅዓት እግዚኣብሄር ከዓ ኣብኣ የመና ስለ ዝኸበደ፥ ንዅላ እታ ኸተማውን ፍርሓት ሞት ስለ ዝሓዛ፥ ንዅሎም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ኣኪቦም “እዝ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ንኣናን ንህዝብናን ምእንቲ ኸይቐትለናስ፥ ስደድዎ፤ ናብ ስፍራኡ ኸዓ ይመለስ” በሉ።