6 ንቤትካን ንኣባይቲ ዅሎም መኳንንትኻን ንኣባይቲ ዅሎም ግብፃውያንን ብኣኣቶም ክመልአን እዩ። እዙይ ኣቦታትካን ኣባሓጎታትካን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ዝቕመጡ ጀሚሮም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ሪኦምዎ ዘይፈልጡ እዩ’ ይብል ኣሎ” በልዎ። ሙሴ ተመሊሱ፥ ካብ ፈርዖን ወፀ።
ከምዙይ ኣይኾንን፤ ሰብኡት ጥራሕ ኪዱሞ ንእግዚኣብሄር ስገዱ፤ እቲ እትልምንዎ ዝነበርኩም ከዓ ንሱ እዩ” በሎም። ንሙሴን ንኣሮንን ድማ ኻብ ቅድሚ ፈርዖን ሰጐጕዎም።
ኣብ ኵላ ሃገር ግብፂ ኸዓ ቕድሚኡ ኾነ ድሕሪኡ ተርእዩ ዘይፈልጥ ብርቱዕ ዋይ ዋይታ ክኸውን እዩ።
ሙሴ ኸዓ ኣስዒቡ “ኵሎም እዞም ኣገልገልትኻ ናባይ ክመፁ እዮም፤ ኣብ ቅድመይ ሰጊዶም ድማ፥ ‘ንስኻን እቲ ዝስዕበካ ዅሉ ህዝብን ውፃእ’ ኢሎም ክልምኑኒ እዮም። ሽዑ ኸዓ ኽንወፅእ ኢና” በለ። ብድሕሪኡ ሙሴ ብቝጥዓ ነዲዱ ኻብ ፈርዖን ወፀ።
ንህዝበይ እንተ ዘይሰዲድካዮ ግና እንሆ ናባኻን ናብ መኳንንትኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኣባይትኻን ዕስለ ፅንፅያ ኸልቢ ኽሰድድ እየ። ኣባይቲ ግብፃውያንን እታ ዝነብሩላ ምድርን ከዓ ብዕስለ ፅንፅያ ኽመልኣ እየን በሎ።
እቲ ሩባ ድማ ብጭንቍራዕ ፈኽፈኽ ክብል እዩ። ካብቲ ሩባ ወፂአን ድማ ናብ ቤትካን ናብ መደቀሲኻን ናብ ዓራትካን ናብ ቤት መኳንንትኻን ናብ ህዝብኻን ናብ እቶናትካን ናብ ንፅባኻን ኽኣትዋ እየን።
እምበኣር ፅባሕ በዛ ሰዓት እዚኣ፥ ግብፂ ኻብ ዝተመስረተትሉ መዓልቲ ኽሳዕ ሕዚ ተርእዩ ዘይፈልጥ፥ ብርቱዕ በረድ ከውርድ እየ።
በረድ ድማ ነበረ፤ ኣብ ማእኸል እቲ በረድ ድማ ሓዊ ይነድድ ነበረ። ሰብ ኣብ ግብፂ ኻብ ዝነብር ጀሚሩ ተርእዩ ዘይፈልጥ በረድ ወረደ።
መዓልቲ ፀልማትን ጣቓን፥ መዓልቲ ደመናን ግብ ዝበለ ፀልማትን፥ ዓቢይን ሓያልን ህዝቢ፥ ከም ብርሃን ወጋሕታ ኣብ ልዕሊ እምባታት ተዘርጊሑ ኣሎ፤ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኸምኣቶም ዝበለ ኣይነበረን፤ ድሕሪኣቶምውን ክሳዕ ብዙሕ ውሉድ ወለዶ፥ ከምኣቶም ዝበለ ኸቶ ኣይኸውንን።
ነታ ኸተማ ይወሩ፤ ኣብ ልዕሊ ቕፅሪ ይጐዩ፤ ናብ ኣባይቲ ይድይቡ፤ ከም ሰራቒውን ብመሳዅቲ ይኣትዉ።
ነቲ ዘይረአ ስለ ዝረአየ ፀንዐ፤ ንቝጥዓ ንጉስ እንተይፈርሐ ድማ፥ ብእምነት ንግብፂ ሓደጋ።