Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 10:26 - መፅሓፍ ቅዱስ

26 እዙይ ከቶ ኣይኸውንን እዩ። እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና እንስውአሉ ኻብኣተን ስለ እንወስድ፥ ሓንቲ ሸኰና እኳ እንተይተረፈት ኵለን እንስሳና ምሳና ክኸዳ እየን። ንሕና ድማ ኣብታ እንስውአላ ኽሳዕ እንበፅሕ ንእግዚኣብሄር እንታይ ከም እንስውአሉ ኣይንፈልጥን ኢና” በሎ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 10:26
12 Referencias Cruzadas  

ሙሴ ድማ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና እንስውኦ መስዋእቲ ሕሩድን ዝቃፀል መስዋእትን፥ ንስኻዶ ኽትህበና ዄንካ?


ሙሴ ድማ፥ “ንእግዚኣብሄር በዓል ክንገብረሉ ኢና እሞ፥ ምስ ኣናእሽቱናን ዓበይትናን፥ ኣወዳትናን ኣጓላትናን፥ ኣጣልናን ኣባጊዕናን ከፍትናን ኢና እንኸይድ” በሎ።


ከምቲ ዝበልኩምዎ ድማ ኣባጊዕኹምን ከፍትኹምን ሒዝኩም ኪዱ፤ ንኣይ ከዓ መርቑኒ” በሎም።


ከምቲ እግዚኣብሄር ዝእዝዘና ዘሎ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንስውእስ፥ መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ ምድረ በዳ ኽንከይድ ኢና” በሎ።


ብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካን፥ ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ፤


ግና ረብሓኣን ዝረኸበቶ ዓስብን፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ክኸውን እዩ። ረብሓኣ ኣይዕቈርን ኣይቕመጥን እዩ። እኳ ደኣ በሊዖም ምእንቲ ኽፀግቡ፥ ብሉፅ ክዳንውን ክኽደኑስ፥ ነቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝነብሩ ክኸውን እዩ።


ኣባጊዖምን ከብቶምን ሒዞም ንእግዚኣብሄር ክደልይዎ ይኸዱ፤ ግና ንሱ ካብኣቶም ርሒቑ እዩ እሞ፥ ኣይረኽብዎን።


በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቃጭል ኣፍራስ “ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ” ዝብል ክፀሓፍ እዩ። እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘሎ ድስትታት ከዓ፥ ከምቲ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ዘሎ ሒላባት ቅዱስ ክኸውን እዩ።


ከምቲ ንሕና ዝተፀበናዮ ዘይኮነ ኸዓ፥ ቅድም ንጐይታ ድሕሪኡ ኸዓ ንኣና፥ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ርእሶም ወፈዩ።


ኣብርሃም ምስ ተፀውዐ፥ ብእምነት ተኣዘዘ፤ ናበይ ከም ዝኸይድ እንተይፈለጠውን፥ ናብቲ ርስቲ ኽቕበለሉ ዘለዎ ሃገር ከደ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos