23 ንሰለስተ መዓልቲ ንብፃዩ ኽርኢ፥ ወይ ካብ ምቕማጡ ኽትስእ ዝኸኣለ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ኣብቲ ዅሎም ደቂ እስራኤል ዝተቐመጥዎ ግና ብርሃን ነበረ።
ናብ መንጎ ግብፃውያንን ደቂ እስራኤልን ድማ ኣተወ። በቱይ ወገን ደመናን ፀልማትን ነበረ፤ በዙይ ወገን ግና ነቲ ለይቲ ኣብርሆ። ስለዙይ በታ ለይቲ እቲኣ ሓደ ናብቲ ሓደ ኣይቀረበን።
እግዚኣብሄር ነቲ ሩባ ኻብ ዝወቕዖ ሸውዓተ መዓልቲ ሓለፈ።
እቶም ጠንቈልቲ ድማ ብስራዮም ቃርማ ኸውፅኡ ፈተኑ፤ ግና ኣይከኣሉን፤ እቲ ቃርማውን ንሰብን ንኸፍትን ወረሮ።
እቶም ኣስማተኛታት ድማ ንፈርዖን “እዙይስ ኣፃብዕቲ እግዚኣብሄር እዩ” በልዎ፤ ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎውን ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።
“በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኸም ዘለኹ ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ ነታ ህዝበይ ዝነብሩላ ምድሪ ጌሴም ክፈልያ እየ፤ ዕስለ ፅንፅያ ዘይብላውን ክገብራ እየ።
ኣብታ ደቂ እስራኤል ዝነብርዋ ምድሪ ጌሴም ጥራሕ በረድ ኣይዘነመን።
እግዚኣብሄር ድማ ኣብ መንጎ ጥሪት እስራኤልን ኣብ መንጎ ጥሪት ግብፃውያንን ፍልልይ ክገብር እዩ፤ ካብ ጥሪት ደቂ እስራኤል ከዓ ሓንቲ እኳ ኣይትመውትን እያ።”
“ንዕዉራት ብዘይፈልጥዎ ጐደና ኸምፅኦም እየ፤ ብዘይፈልጥወን መንገድታትውን ክመርሖም እየ፤ ንፀልማት ኣብ ቅድሚኣቶም ብርሃን ክገብሮ እየ፤ ንዝቐይነነውን ከቕንዖ እየ። እዙይ ክገብረሎም እየ፤ ኣይሓድጎምንውን እየ።
“ቀውዒ እንተይበፅሐ ቕድሚ ሰለስተ ወርሒ ዝናም ከላእኩኹም። ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኸተማ ኣዝነምኩ፤ ኣብታ ኻልእ ከተማ ግና ኣየዝነምኩን። ኣብ ሓደ ወገን ዘነመ፤ ኣብቲ ኻልእ ወገን ግና ኣይዘነመን፤ ስለዙይውን ሃጐጐ።
ንስኻትኩምውን ተመሊስኩም፥ ነቲ ኣብ መንጎ ፃድቕን ሓጥእን፥ ኣብ መንጎ እቲ ንእግዚኣብሄር ዘገልግልን ዘየገልግልን ክትፈልዩ ኢኹም” በለ።
ንሱ፥ ካብ ናይ ፀልማት ስልጣን ኣውፅአና፤ ናብታ መንግስቲ ፍቑር ወዱውን ኣእተወና።
ናባይ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፤ ኣብ መንጎኣቶምን ኣብ መንጎ ግብፃውያንን ድማ ፀልማት ገበርኩ፤ ነቲ ባሕሪ ኸዓ ናብ ልዕሊኣቶም ሰዲደ ደፈንክዎም። እቲ ንግብፃውያን ዝገበርኩዎ በዒንትኹም ርኢኹምዎ ኢኹም። ኣብ ምድረ በዳ ድማ ነዊሕ ዘመን ነበርኩም።
ንስኻትኩም ግና፥ ናይቲ ኻብ ፀልማት፥ ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝፀውዐኩም፥ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረፀኩም፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉስ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት እግዚኣብሄር ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።