Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 10:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 እዙይ ከዓ ነቲ ኣብ ግብፃውያን ዘውረድክዎ መዓትን፥ ነቲ ኣብ ማእኸሎም ዝገበርክዎ ምልክታተይን፥ ንደቅኹምን ንደቂ ደቅኹምን ኣብ እዝኖም ክትነግርዎም እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ እየ” በሎ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 10:2
22 Referencias Cruzadas  

“ኦ ኣምላኸይ ከምቲ ዅሉ በእዛንና ዝሰማዕናዮ ኸማኻ ዝበለ የለን፤ ብዘይ ንስኻውን ኣምላኽ የለንሞ፥ ንስኻ ዓብዪ ኢኻ።


ኦ ጐይታ፥ በእዛንና ሰማዕና፤ ኣቦታትናውን፥ እቲ ብዘመኖም፥ ብቐደም ዘመን ዝሰራሕኻዮ ስራሕ ነገሩና።


ኢድካ ንኣህዛብ ኣጥፍአቶም፤ ንኣኣቶም ድማ ተኸልካ፤ ንኣህዛብ ኣሳቐኻዮም፤ ኣሳጐጕካዮምውን።


ሰብውን፦ “ብሓቂ ንፃድቕ ፍረ ኣለዎ፤ ኣብ ምድሪ፥ ብሓቂ ዝፈርድ ኣምላኽ ኣሎ” ይብል።


ነቲ ዝመፅእ ትውልዲ፥ ቅልፅምካን ሓይልኻን ፅድቅኻን፥ ክሳዕ ዝነግር፥ ክሳዕ ዝኣርግን ዝሽምግልን፥ ኦ ጐይታ ኣይትሕደገኒ።


እቲ ዝሰማዕናዮን ዝፈለጥናዮን፥ ኣቦታትናውን ዘዘንተዉልና፥ ንዝመፅእ ትውልዲ ኻብ ደቆም ኣይሓብኡን።


“ብዝመፅእ ዘመን ደቅኻ ‘እዙይ እንታይ እዩ’ ኢሎም እንተ ጠየቑኻ፥ ‘እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ፥ ካብ ምድሪ ባርነት ብሓያል ቅልፅሙ ኣውፅአና።


ንፈርዖንን ንሰረገላታቱን ንፈረሰኛታቱን ስዒረ ምስ ከበርኩ ድማ፥ ግብፃውያን ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም” በሎ።


ኣነ ድማ ንልቢ ፈርዖን ከትርሮ እየ፤ ንሱ ኸዓ ደድሕሬኹም ስዒቡ ኸሳጕጐኩም እዩ። ሽዑ ኣነ ንፈርዖንን ንዅሉ ሰራዊቱን ብምስዓር ክኸብር እየ። ግብፃውያን ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም” በሎ። ደቂ እስራኤል ከዓ ኸምኡ ገበሩ።


እምበኣር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ በዙይ ክትፈልጥ ኢኻ፦ እንሆ ኣነ በዛ ኣብ ኢደይ ዘላ በትሪ ነቲ ኣብ ሩባ ዘሎ ማይ ክወቕዖ እየ። እቲ ማይ ድማ ናብ ደም ክልወጥ እዩ።


ኢደይ ዘርጊሐ ንደቂ እስራኤል ብሓይለይ ካብ ማእኸሎም ምስ ኣውፃእኹ፥ ሽዑ ግብፃውያን ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም።”


ኣሮን ከዓ ናብ ልዕሊ ማያት ግብፂ ኢዱ ዘርግሐ፤ እተን ጭንቍራዓት ድማ ወፂአን ንምድሪ ግብፂ ኸደናኦ።


ከምቲ ኣነ ሎሚ ዝገብሮ ዘለኹ፥ እቶም ህያዋን ንሳቶም የመስግኑኻ፤ ንስኻ እሙን ከም ዝኾንካ፥ ወለዲ ንደቆም የፍልጥዎም።


ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ምእንቲ ኽፈልጡስ፥ ከባድሞም ኢለ በቲ ዅሉ ማህፀን እኖኡ ዝኸፈተ፥ ብሓዊ ዘሕለፍዎ መባኦም ገይረ ኣርከስክዎ።”


ናብታ ‘ክህቦም እየ’ ኢለ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ምስ ኣእተኽዎም፥ ኣብኡ ንዅሉ በሪኽ ኰረብታን ንዅሉ ልሙዕ ኦምን ጠመቱ፤ መስዋእቶም ድማ ኣብኡ ሰውኡ፤ ኣብኡ ኸዓ ዘቘጥዕ መባእ ኣቕረቡ፤ ኣብኡ ድማ ጥዑም መዓዛኦም ዓጠኑ፤ ኣብኡውን መስዋእቲ መስተኦም ከዓዉ።


እዙይ ንደቅኹም ንገሩ፤ ደቅኹም ከዓ ንደቆም፥ ደቆምውን ነቲ ዳሕረዋይ ትውልዲ ይንገሩ።


ኣቱም ወለዲውን፥ ብናይ ጐይታ ምኽርን ተግሳፅን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፥ ንደቅኹም ኣይተቘጥዕዎም።


“እምበኣርከስ እቲ ዓይንኹም ዝረአዮ ነገር ከይትርስዑ፥ ብዅሉ ናይ ህይወት ዘመንኩም ድማ ኻብ ልብኹም ከይወፅእ፥ ንርእስኹም ተጠንቀቑ፤ ነፍስኹም ሓልዉ፤ ንደቅኹምን ንደቂ ደቅኹምን ድማ መሃርዎም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos