19 እግዚኣብሄር ድማ ኣውሎ ንፋስ ምዕራብ ኣምፅአ። ነቲ ኣንበጣ ኸዓ ፀራሪጉ ናብ ባሕሪ ኤርትራ ደርበዮ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ድማ ሓደ ኣንበጣ እኳ ኣይተረፈን።
ከም ዝሓለፈ ፅላሎት ሃለቕኩ፤ ከም ኣንበጣውን ረገፍኩ።
ሙሴ ኸዓ ኻብ ቅድሚ ፈርዖን ወፂኡ ንእግዚኣብሄር ለመነ።
እግዚኣብሄር ግና ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ንሱ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ክኸዱ ኣይሰደዶምን።
እግዚኣብሄር ግና ነቶም ህዝቢ ብመንገዲ ምድረ በዳ ኣቢሉ ንባሕሪ ኤርትራ ኣዞሮም። ደቂ እስራኤል ድማ ንውግእ ከም ዝተዳለዉ ኾይኖም፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ተሰሊፎም ወፁ።
ንሰረገላታት ፈርዖንን ሰራዊቱን ናብ ባሕሪ ደርበዮም፤ እቶም ሕሩያት ሓለቓታቱ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ሰጠሙ።
ነቲ ሰራዊት ሰሜን ካባኻትኩም ከርሕቖ እየ፤ ናብ ደረቕን ዝዐነወን ምድሪ፥ ገፁ ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ፥ ዝባኑ ኸዓ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ ገይረ ኽሰጎ እየ፤ ንሱ ዓብዪ ትዕቢት ገይሩ እዩ እሞ፥ ሕማቕ ጨናኡ ኽወፅእ፥ ክርፋሑ ድማ ኽለዓል እዩ።
ደቂ እስራኤል፥ ንባሕሪ ኤርትራ ኸም ንቑፅ ምድሪ፥ ብእምነት ተሳገርዋ፤ ግብፃውያን ግና፥ ከምኡ ኽገብሩ ምስ ፈተኑ ተውሒጦም ተረፉ።