16 ሽዑ ፈርዖን ንሙሴን ንኣሮንን ቀልጢፉ ፀዊዑ፥ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩምን ንኣኻትኩምን በደልኩ።
ኣነ ኣገልጋሊኻ ኸም ዝበደልኩኻ እፈልጥ ኣለኹ። እንሆ ኸዓ፥ ሎሚ ቕድሚ ዅላ ቤት ዮሴፍ ወሪደ፥ ንጐይታይ ንጉስ ክቕበል መፂአ ኣለኹ” በሎ።
ዳዊት ነቲ ህዝቢ ምስ ቈፀሮ ግና ሕሊናኡ ወቐሶ። ንእግዚኣብሄር ድማ “በቲ ዝገበርክዎ ብዙሕ በዲለ እየ፤ እዝ ዝገበርክዎ ዓብዪ በደል እዩ እሞ፥ ሕዚ ኦ እግዚኣብሄር፥ በይዛኻ፥ ንኣይ ንባርያኻ በደለይ ይቕረ በለለይ” በሎ።
ዳዊት ድማ ነቲ ንህዝቢ ዝቐስፍ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ረአዮ፥ ንእግዚኣብሄር “እንሆ፥ ኣነ እየ ዝበደልኩ፤ ኣነ ኸዓ እየ ኽፉእ ዝገበርኩ፤ እዞም ኣባጊዕ እዚኣቶም እንታይ ገበሩ? ኢድካ ኣባይን ኣብ ቤት ኣቦይን ኸትከውን እልምነካ ኣለኹ” በሎ።
ሽዑ እቲ ንጉስ ንሙሴን ንኣሮንን ፀዊዑ “ኪዱ፥ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዄንኩም ንኣምላኽኩም መስዋእቲ ሰውኡ” በሎም።
ሽዑ ፈርዖን ንሙሴን ንኣሮንን ፀዊዑ “ካባይን ካብ ህዝበይን ጭንቍራዕ ከርሕቐለይ ንእግዚኣብሄር ለምኑለይ። ኣነ ኸዓ ነቲ ህዝቢ ኸይዱ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ መስዋእቲ ኸቕርብ ክሰዶ እየ” በሎም።
ፈርዖን ከዓ ልኢኹ ንሙሴን ንኣሮንን ፀውዖም። “ኣነ በዲለ እየ፤ እግዚኣብሄር ግና ፃድቕ እዩ፤ ኣነን ህዝበይንውን ሓጢኣተኛታት ኢና።
ሓጢኣቱ ዝሓብእ ሰብ ኣይቃነዐሉን፤ እቲ ዝናሳሕ እሞ ዝሓድጎ ግና ምሕረት ይረክብ።
ሽዑ እቶም ህዝቢ ናብ ሙሴ መፂኦም “ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሌኻን ብምዝራብና ሓጢኣት ገበርና፤ ነዞም ኣትማን ከርሕቐልና ናብ እግዚኣብሄር ፀልየልና” በልዎ። ሙሴ ድማ ምእንቲ እቲ ህዝቢ ፀለየ።
በለዓም ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር “እወ፥ በዲለ፤ ክትቃወመኒ ኢልካ ኣብ መንገዲ ደው ከም ዝበልካ ኣይፈለጥኩን። ሕዚ ኸዓ ዘጕህየካ እንተ ኾይኑስ ኽምለስ” በሎ።
ሳኦል ድማ ንሳሙኤል “እወ፥ ነቶም ህዝቢ ፈሪሐ ኸም ቃሎም ስለ ዝገበርኩ፥ ትእዛዝ እግዚኣብሄርን ዘረባኻን ስለ ዝጠሓስኩ፥ በዲለ እየ።
ሳኦል ድማ “በዲለ እየ። ሕዚ ግና ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ኣብ ቅድሚ እስራኤልን ኣኽብረኒ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽሰግድስ ምሳይ ተመለስ” በሎ።
ሽዑ ሳኦል “ኣነ በዲለ እየ፤ ወደይ ዳዊት፥ ነፍሰይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቅድሜኻ ስለ ዝኸበረት፥ ደጊም ክፉእ ኣይገብረካን እየ እሞ፥ ነዓ ተመለስ። እንሆ፥ ዓሺየ እየ፤ የመናውን ተጋግየ እየ” በሎ።