15 ምድሪ ኽሳዕ እትፅልምት ንዅላ ምድሪ ሸፈና። ንዅሉ በቝሊ ምድርን ነቲ ኻብ በረድ ዝተረፈ ዅሉ ፍረ ኦምንውን በልዖ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ፥ ኣብ ኦም ወይ ኣብ በቝሊ ግራት፥ ምንም ለምዒ ኣይተረፈን።
ብቋልያኦም ንቓቔጣ፥ ፍረ ስራሖም ከዓ ንኣንበጣ ሃቦ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ንምድሪ ግብፂ ኣንበጣ ምእንቲ ኽሽፍኖ እሞ፥ ንዅሉ በቝሊ ምድርን፥ ነቲ ኻብ በረድ ዝተረፈ ዅሉን ክበልዕስ፥ ኣእዳውካ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብፂ ዘርግሕ” በሎ።
እቲ ኣንበጣ ኸዓ ንምድሪ ኸም ዘይትረአ ገይሩ ኽሽፍና እዩ። ነቲ ኻብ በረድ ድሒኑ ዝተረፈውን ክበልዖ እዩ። ንዅለን ኣብ በረኻ ዝበቘላ ኣእዋም ከዓ ኽበልዐን እዩ።
ኣንበጣ ንጉስ የብሉን፤ ግና ብስነ ስርዓት ሓቢሩ ይጕዓዝ።
ካብ ኵብኵብታ ዝተረፈ ኣንበጣ በልዖ፤ ካብ ኣንበጣ ዝተረፈ ኸዓ ቃቔጣ በልዖ፤ ካብ ቃቔጣ ዝተረፈ ድማ ሓሰኻ በልዖ።
ኣነ ኸዓ እቶም ኣንበጣን ኵብኵብታን ሓሰኻን፥ ናባኻትኩም ዝሰደድክዎ ዓብዪ ሰራዊተይ ዝበልዐን ዓመታት ክምልሰልኩም እየ።
ኣብቲ ራእይ ከዓ ነቲ ዅሉ ጠጥዒ ምድሪ ኽበልዖ እንተሎ ረአኹ እሞ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ያእቆብ ንእሽተይ እዩሞ፥ ከመይ ገይሩ ኽቐውም ይኽእል? በይዛኻ ሓጢኣት ህዝብኻ ይቕረ በል” በልኩ።
ንሱ ነቲ ኣብ ፋቱራ፥ ጥቓ ሩባ ኣብ ዘላ ዓዱ፥ ተቐሚጡ ንዘሎ በለዓም ወዲ ቢዖር፥ ልኡኻት ሰዲዱ ፀውዖ። “ኣብዙይ ካብ ግብፂ ዝወፁ ህዝቢ ኣለዉ፤ ንሳቶም ንገፅ ምድሪ ዝኸድኑ እዮም፤ እንሆ ኣብ ጥቓና ከዓ ሰፊሮም ኣለዉ።