13 ሙሴ ኸዓ በትሩ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብፂ ዘርግሐ፤ እግዚኣብሄር ድማ ብምልእታ እታ መዓልቲ እቲኣን፥ ብምልእታ እታ ለይቲ እቲኣን፥ ናብታ ምድሪ ንፋስ ምብራቕ ኣምፅአ። ምስ ወግሐ ድማ እንሆ እቲ ንፋስ ምብራቕ፥ ኣንበጣ ኣምፅአ።
ድሕሪአን ድማ፥ እንሆ ሸውዓተ ቐጠንቲ ብንፋስ ምብራቕ ዝሃጐጓ ጉምቦታት ሸዊት ወፃ።
ተናገረ እሞ፥ ስፍሪ ቝፅሪ ዘይብሉ ኣንበጣን ኵብኵብታን መፀ፤
ሓዊን በረድን ኣስሓይታን ሑመድያን ንቓሉ ዝእዘዝ ንፋስ ኣውሎን፥
ካብ ሰማይ ንንፋስ ምብራቕ ኣተስኦ፤ ብሓይሉውን ንንፋስ ደቡብ ኣምፅአ።
ብቋልያኦም ንቓቔጣ፥ ፍረ ስራሖም ከዓ ንኣንበጣ ሃቦ።
ሙሴ ድማ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሐ። እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ባሕሪ፥ ምሉእ ለይቲ ብብርቱዕ ንፋስ ምብራቕ ኣወገደ፤ ነቲ ባሕሪ እውን ኣንቀፆ። እቲ ማይ ከዓ ኣብ ክልተ ተመቐለ።
ኣንበጣ ንጉስ የብሉን፤ ግና ብስነ ስርዓት ሓቢሩ ይጕዓዝ።
እግዚኣብሄር ድማ ናብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ንፋስ ሰደደ፤ እታ መርከብ ክትስበር ክሳዕ እትቐርብ፥ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ኮነ።
ፀሓይ ምስ በረቐት ድማ፥ እግዚኣብሄር ዘቃፅል ንፋስ ምብራቕ ኣዳለወ፤ እታ ፀሓይ ከዓ ንዮናስ፥ ርእሱ ኽሳዕ ዝዞሮ ወቕዐቶ። ንሱውን ንባዕሉ ሞት ተመንዩ፥ “ካብ ብህይወት ምንባርስ ሙማት ይሕሸኒ” በለ።
እቶም ሰባት ከዓ፥ “እዝ ንፋስን ባሕርን ዝእዘዝዎስ፥ ከመይ ዝበለ እዩ!” ኢሎም ተገረሙ።