11 ከምዙይ ኣይኾንን፤ ሰብኡት ጥራሕ ኪዱሞ ንእግዚኣብሄር ስገዱ፤ እቲ እትልምንዎ ዝነበርኩም ከዓ ንሱ እዩ” በሎም። ንሙሴን ንኣሮንን ድማ ኻብ ቅድሚ ፈርዖን ሰጐጕዎም።
ዓመፅ ትዕቢተኛታት ኣብ ልዕለይ በዝሐ፤ ኣነ ግና ብምሉእ ልበይ ትእዛዛትካ እደሊ ኣለኹ።
ፈርዖን ድማ “ኪዱ፥ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ይኹን፤ ክፍኣት ከም ዝሓሰብኩም ግሁድ እዩ። ግና ምስ ደቅኹምን ምስ ኣንስትኹምን ኣይሰደኩምን።
ፈርዖን ድማ “ሙሴ ኻባይ ኪድ ረሓቕ! መሊስካ ገፀይ ከይትርኢ ተጠንቀቕ። እንሆ በታ ገፀይ እትሪአላ መዓልቲ ኽትመውት ኢኻ” በሎ።
ንጉስ ግብፂ ኸዓ “ንስኻትኩም ሙሴን ኣሮንን! ስለ ምንታይ ነዝ ህዝቢ እዙይ ካብ ስራሑ ተብኵርዎ ኣለኹም? ናብ ስራሕኹም ኪዱ” በሎም።