10 ፈርዖን ድማ “ኪዱ፥ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ይኹን፤ ክፍኣት ከም ዝሓሰብኩም ግሁድ እዩ። ግና ምስ ደቅኹምን ምስ ኣንስትኹምን ኣይሰደኩምን።
እምበኣር ሕዝቅያስ ኣይጠብርኩም በዝ ነገር እዙይውን ኣይሓባብልኩም፤ ንስኻትኩም ከዓ ኣይትእመንዎ። ናይ ዝኾነ ይኹን ህዝብን መንግስትን ኣምላኽ ንህዝቡ ኻብ ኢደይ ወይ ካብ ኢድ ኣቦታተይ ከናግፎ ዝኸኣለ የለን፤ ኣምላኽኩም ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ ኻብ ኢደይ ዘናግፈኩም?”
ከምዙይ ኣይኾንን፤ ሰብኡት ጥራሕ ኪዱሞ ንእግዚኣብሄር ስገዱ፤ እቲ እትልምንዎ ዝነበርኩም ከዓ ንሱ እዩ” በሎም። ንሙሴን ንኣሮንን ድማ ኻብ ቅድሚ ፈርዖን ሰጐጕዎም።
ፈርዖን ድማ ንሙሴ ፀዊዑ “ኪዱ፥ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ። ኣባጊዕኹምን እንስሳኹምን ጥራሕ ደኣ ይትረፋ እምበር፥ ኣንስትኹምን ቈልዑኹምን ምሳኻትኩም ይኺዱ” በሎ።
ሙሴ ድማ፥ “ንእግዚኣብሄር በዓል ክንገብረሉ ኢና እሞ፥ ምስ ኣናእሽቱናን ዓበይትናን፥ ኣወዳትናን ኣጓላትናን፥ ኣጣልናን ኣባጊዕናን ከፍትናን ኢና እንኸይድ” በሎ።
ለይትን መዓልትን ምእንቲ ኽጐዓዙ፥ እግዚኣብሄር መንገዲ ንኽመርሖም ብመዓልቲ ብዓምዲ ደመና፥ ብለይቲ ድማ ኽበርሀሎም ብዓምዲ ሓዊ ቐቅድሚኣቶም ይኸይድ ነበረ።
ሜም። እግዚኣብሄር ዘይኣዘዞ፥ ዝናገርን ዝፍፅምን መን እዩ?