6 ዮሴፍን ኵሎም ኣሕዋቱን እቶም በቲ ዘመን እቱይ ዝተወለዱ ዅሎምን ከዓ ሞቱ።
ዮሴፍ ድማ ነሕዋቱ፥ “ኣነ ኽመውት እየ። እግዚኣብሄር ግና ብሓቂ ኽምልከተኩም እዩ፤ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ኸዓ ናብታ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ዝመሓለሎም ምድሪ ኽመልሰኩም እዩ” በሎም።
ዮሴፍ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኮነ ሞተ። ብምዑዝ ቅብኢ ድማ ደረዝዎ፥ ኣብ ሳፁን ገይሮም ከዓ ኣብ ግብፂ ኣንበርዎ።
ትውልዲ ይኸይድ፤ ትውልዲ ኸዓ ይመፅእ፤ ምድሪ ግና ንዘለኣለም ትነብር።
ኵሉ እቲ ትውልዲ እቱይ ናብ ኣቦታቱ ተኣከበ። ብድሕሪኦም ከዓ ንእግዚኣብሄርን ነቲ ንእስራኤል ዝገበሮ ግብርን ዘይፈልጥ ካልእ ትውልዲ ተልዓለ።