4 ዳን፥ ንፍታሌም፥ ጋድ፥ ኣሴር።
እስራኤልውን ኣብታ ምድሪ እቲኣ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ሮቤል፥ ዕቅብቲ ኣቦኡ ናብ ዝኾነት ናብ ባላ ኣተወ። ያእቆብ ድማ ብዛዕባኡ ሰምዐ። ደቂ ያእቆብ ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
እዚኣቶም ዘለፋ፥ እታ ላባ ንጓሉ ልያ ዝሃባ፥ ንያእቆብ ዝወለደትሉ ዓሰርተ ሽዱሽተ እዮም።
ይሳኮር፥ ዛብሎን፥ ብንያም፥
ካብ ኣብራኽ ያእቆብ ዝተወለዱ ዅላቶም ሰብዓ ነፍሲ ነበሩ። ዮሴፍ ግና ኣቐዲሙ ኣብ ግብፂ ነበረ።