19 እተን መዋለድቲ ኸዓ ንፈርዖን “እተን ዕብራውያት ከም ኣንስቲ ግብፃውያት ኣይኮናን። ንሳተን ሓያላት እየን። እተን መዋለድቲ እንተይመፃአን ወሊደን እየን ዝፀንሓ” በላኦ።
እቲ ንጉስ ድማ ነተን መዋለድቲ ፀዊዑ፦ “ስለ ምንታይ ከምዙይ ገበርክን? ስለ ምንታይከ ነቶም ዝተወለዱ ኣወዳት ብህይወት ክነብሩ ሓደግክናኦም?” በለን።
እግዚኣብሄር ድማ ነተን መዋለድቲ ሰናይ ገበረለን። እቲ ህዝቢ እውን በዝሐ፤ የመናውን በርትዐ።
ዳዊት ድማ ንኻህን ኣቢሜሌክ፥ “ንጉስ፥ ‘እቲ ኣነ ዝለኣኽኩኻ ነገርን እቲ ዝኣዘዝኩኻን ሓደ ሰብ እኳ ኣይፍለጦ’ ኢሉ ስለ ዝኣዘዘኒ፥ እቶም ኣጓብዝ ኣብ ሓደ ቦታ ኽቕበሉኒ ኣመልኪተዮም ኣለኹ።