18 እቲ ንጉስ ድማ ነተን መዋለድቲ ፀዊዑ፦ “ስለ ምንታይ ከምዙይ ገበርክን? ስለ ምንታይከ ነቶም ዝተወለዱ ኣወዳት ብህይወት ክነብሩ ሓደግክናኦም?” በለን።
ንሓሻኽሩ ድማ “ኣስተውዒልኩም ስምዑኒ፤ ኣምኖን ወይኒ ሰትዩ ልቡ ደስ ምስ በሎ ረአዩ፤ ንኣምኖን ቅተልዎ ምስ በልኩኹም ቅተልዎ። ንስኻትኩም ከዓ ኣነ ባዕለይ እእዝዘኩም ስለ ዘለኹ ኣይትፍርሑ፤ ፅንዑ፤ ሓያላት ድማ ኹኑ” በሎም።
እተን መዋለድቲ ግና ንእግዚኣብሄር ስለ ዝፈርሓ፥ ነቶም ዝተወለዱ ብህይወት ሓደጋኦም እምበር፥ ከምቲ ንጉስ ግብፂ ዝበለን ኣይገበራን።
እተን መዋለድቲ ኸዓ ንፈርዖን “እተን ዕብራውያት ከም ኣንስቲ ግብፃውያት ኣይኮናን። ንሳተን ሓያላት እየን። እተን መዋለድቲ እንተይመፃአን ወሊደን እየን ዝፀንሓ” በላኦ።
ንጉስ ብስልጣን ይእዝዝ እዩሞ፥ “ንምንታይ እዙይ ትገብር” ዝብሎኸ መን እዩ?